MNA - What should you do with your waste

Page 1

TIGRINSK

ጐሓፍ ከመይ ጌርካ ክትኣልዮ ኣለካ? ቴለፎን: 74 28 17 60 ኢመይል: firmapost@mna.no • www.mna.no

ብዛዕባ ምዕቃብ ከባቢ ሕሰብ – ረብሓታት ፍጠር!


እቲ ንሕና ንእክቦ/ንወስዶ ጐሓፍ ወረቐት (PAPIR) ወረቐት ኣብ ሰሰለስተ ሰሙን እዩ ዝእከብ። ጋዜጣታት፡ መጽሔታት፡ ናይ መወዓውዕን/ረክላምን ካልእ ዝንበብ ጽሑፋት ወረቓቕቲ ኮይኑ ግን ፕላስቲክ ወይ መጣበቒ ዘይብሉ ኣብ ናይ ወረቐት መሸማዕ/ኣብ ኰረር ዝብል መኣከቢ ጐሓፍ ክኣቱ ኣለዎ። ጽሩይን ንቑጽን ድማ ክኸውን ይግብኦ። እቲ ወረቓቕቲ ኣብ ስኩግን ኣብ ዝርከብ ኖሽክ ስኩግ ዝብሃል ትካል ተላኢኹ ኣብ ፍርያት ናይ ጋዜጣ ወረቐት ከም ጥረ ነገር የገልግል።

መዕሸጊ ፕላስቲክ (PLASTEMBALLASJE) ኣብ ናይ መእከቢ ጐሓፍ ዓውደ ኣዋርሕ ብቀጠልያ ተጻሒፉ ዘሎ ሰሙን፡ ኵሉ ዓይነታት ፕላስቲክ - ጠራሙዝ፡ ታኒካታት፡ ብያትታትን ናይ ፕላስቲክ መትሓዚታትን/ፈስታል፡ መትሓዚ ሕብስትታት፡ ናይ ፕላስቲክ መዕሸግታት ናይ ምግቢ ከምኡ’ውን ካልኦት ዓይነታት ልስሉሳት ፕላስቲካት ዝእከበሉ ሰሙን እዩ። እቲ ሃሳስ ቀጠልያ ዝሕብሩ መሸማዕ ተጠቐም። እቲ ዝተኣከ ፕላስቲክ ናብ ሓድሽ ፍርያት ፕላስቲክ እዩ ዝኸውን። እቲ ፕላስቲክ ጽሩይን ንቑጽን ምዃኑ ኣስተውዕል። ረሳሕ ፕላስቲክ ጐሓፍ እዩ።

ናይ ዝስተ ነገር ካርቶናት (DRIKKEKARTONG) ሃሳስ ሰማያዊ ሕብሪ ዘለዎም ናይ ዝስተ ነገር ካርቶናት ኣብ ነፍስወከፍ ሽዱሽተ ሰሙን ይውሰድ። ጽሩይን ንቑጽን ክኸውን ኣለዎ። እንተ ክኢልካ ንሓንቲ ካርቶን ቀዲድካ ኣብ ውሽጣ (ሓጺብካ-ማይ ለቕሊቕካ-ምዕጻፍ) እንተ ወሓደ ሽዱሽተ ካርቶናት ናይ ዝስተ ነገር ኣብታ ሻብዓይቲ ካርቶን ሰግዳ፡ ሽዑ ኣብታ ሻብዓይቲ ካርቶን ስምካ፡ ኣድራሻኻን ቍጽሪ ቴለፎንካን ጸሓፈሉ። ሽዑ ምስ ናይ ዝስተ ካርቶናት ሎተሪ ኣቲኻ ኣለኻ ማለት እዩ፡ ኣብ ርእሲኡ ውን ኣብቲ ሃሳስ ሰማያዊ ሳንጣ ቦታ ቈጢብካ ኣለኻ ማለት’ዩ።

ናይ ምግቢ ጐሓፍ (MATAVFALL) ናይ ምግቢ ጐሓፍ ሰሙናዊ እዩ ዝእከብ። ንናይ ምግቢ ጐሓፍ ፌስታል ተጠቐም። ኣስተውዕል! ቢዮ ፌስታል (bioposer) ኣይትጠቐም። ንናይ ምግቢ ጐሓፍ ዝኸውን ፌስታል ኣብ ዝተፈላለየ ድኳናት/ሱፐርማርኬታት ክርከብ ይከኣል እዩ። ነቲ ናይ ምግቢ ጐሓፍ ዝሓዘ ፌስታል ኣብቲ ጐሓፍ ዝጻረየሉ ቡናዊ መትሓዚ ኣእትዎ። (ኣብ ገለ ቦታታት መኣከቢ ጐሓፍ ምግቢ እቲ ኰረር ዝብል እግሪ ዘለዎ እዩ።) ናይ ምግቢ ጐሓፍ ናብ ኤኮፕሮ ናይ ብርኪ ኩባንያ ተላኢኹ ከም ናይ ባዮጋዝ ወይ ናይ ድዅዒ ጥረ ነገር የገልግል።

ፓምፐር/ጨርቂ ሽንቲ/ቀልቀል ቈልዓ (BLEIER) ፓምፐራት ኣብ ጐሓፍ ክጐሓፍ ኣለዎ (ማለት ካብ ፕላስቲክን ናይ ምግብን ዝጐሓፈሉ ወጻኢ)። ናይ መጕሓፊ ቦታ ዝጸብብ እንተ መሲሉ ምስ ናምዳል ትካል ጐሓፍ (MNA) ተራኺብካ ዕብይ ዝበለ መትሓዚ ክወሃበካ ምርድዳእ ይከኣል።


ተረፍ/ካልእ ጐሓፍ (RESTAVFALL) ተረፍ/ካልእ ጐሓፍ ዝብሃል እቲ ካብቶም ኣብ ላዕሊ ተጠቒሶም ዘለዉ ከም ናይ ፕላስቲክን ምግብን መጕሓፍታትን ናይ ጽሬት ነገራትን ምስ ተጠቐምካሉ ዝተርፍ እዩ። እዚ ድማ ኣብ ነፍስወከፍ ሰለስተ ሰሙን እዩ ዝእከብ። መብዛሕትኡ ሰብ 240-ሊትሮ ዝሕዝ በዓል ኰረር መጕሓፊ እዩ ዝካረ። እዚ ዝዓቢ እንተኾይኑ ካብኡ ዝነኣሰ መትሓዚ ክትካረ ትኽእል ኢኻ። እቶም ናይ 100-ሊትሮ መትሓዚ ዝካረዩ፡ ንሓደ ዓመት ዝኸውን መትሓዚ ፌስታላት ኣብ ቅድመ ሓጋይ ዘሎ ጊዜ ይወሃቦም። እቶም ብዙሕ ጐሓፍ ዘለዎም ክሳብ 300 ሊትሮ ዝበጽሕ ክካረዩ ክሓቱ ይኽእሉ እዮም። እቲ ፌስታላት ኣብቲ ትረፍ ጐሓፍ/restavfallsstativet መጕሓፊ ቦታ ክቕመጥ ኣለዎ። እዚ ተረፍ ጐሓፍ ናብቲ ሓይሊ ኤለትሪክን ማይ ውዑይን ዘመንጭውን ትሮንድሃይም ትካል ጸዓት/Trondheim Enegiverk እዩ ዝስደድ። ኣስተውዕል! ኣብቲ ተረፍ/ካልእ ጐሓፍ መጕሓፊ ምግቢ ኣይተእቱ።

Midtre Namdal Avfallsselskap Et selskap i Retura-gruppen

For levering av 100 ltr.’s sekk til vår innsamlingsbil eller miljøtorg. Tapes/stiftes på sekken eller medsendes ved leveranse.

HOJEM - Namsos

KUPONG FOR EKSTRA SEKK

ተረፍ/ካልእ ጐሓፍ እንተ በዚሑ እንተ ደኣ ተራ/ካልእ ጐሓፍ ብዙሕ ኣሎካ መለለዪ ኣርማ ብምግዛእ ተወሳኺ መሸማዕ ክትገዝእ ትኽእል ኢኻ። ዋጋ ንሓደ ኣርማ 30 ክሮን እዩ። ነዚ ኣርማ እዚ ዝተፈላለዩ ሱፐርማርኬታት ይሸጡዎ እዮም። ከምኡ’ውን ጠለብካ ንምንዋሕ ንክፍሊ ዓማዊል ናምዳል ትካል ጐሓፍ (MNA) ክትውከሶም ትኽእል ኢኻ።

ሒዝካዮ እትመጽእ ጐሓፍ ረጕድ ካርቶን (PAPP) ረጕድ ካርቶን ናብ ዳግመ ምምስራሕ መደበርና (gjenvinningsstasjoner) ብናጻ ከተረክቦ ትኽእል ኢኻ። ክዳውንቲ (KLÆR) ክዳውንቲ፡ ኣሳእን ወይ ዝተፈላለየ ዓይነታት ኣጭርቕቲ ኣሎካ እንተኾይኑ ኣብቲ ኣብ ደገ ዘሎ ንብረት ዘይመንግስታዊ ህዝቢ ንህዝቢ (UFF) ዝኾነ ቀጠልያ ኮንተይነር ክተእትዎ ትኽእል። ንተወሳኺ ሓበሬታ፡ ኣብ መረበብ ሓበሬታ፡ sortere.no ተወከስ።

ጥርሙዝን ሓጺንን (GLASS OG METALL) ሕብሪ ዘይብሎምን ሕብሪ ዘለዎምን (ንመዕሸጊ ማልሜላታ እንጥቀመሎም፡ ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ዝኾኑ ጠራሙዝን ተመሳሰልትን።) ብዘይካ እዚ’ውን ዝተሓጽቡ ታኒካ መትሓዚታት (ኩላቶም ሕቱማት ታኒካታትን ብሓጺን ዝተሰርሑ መዕሸግታትን) ናብቲ ናይ ጠራሙዝ መኣከቢ ወይ ድማ መዕሸጊ ጥርሙዝ/ሓጺን ዝብል ጽሑፍ ዘለዎ መትሓዚ/ኮንተይነር ክውሰዱ ይኽእሉ። እዚ ጐሓፍ እዚ ናብ ኖርወጃዊ ዳግመ ምምስራሕ ጥርሙዝ/ኖርወጃዊ ዳግመ ምምስራሕ ሓጺን ተወሲዱ ንሓድሽ ፍርያት ከም ጥረ ነገር የገልግል። ከም ኣብነት፡ ሓድሽ ጥርሙዝ፡ ግላሶፑር፡ ናይ ህንጻ ቁሪ መከላኸሊ ዘገልግል ምንጻፍ (isolasjonsmatter)፡ ኣብ ኣስፋልት መተሓውስትን የገልግል። ናይ መብራህቲ ኣምፖላት፡ ሴራሚካት (ተሰባሪ ካይላ)፡ ፈናጅልን ናይ ፕላስቲክ ጠራሙዝ ኣብዚ ናብዚ ቦታ ክርከቡ የብሎምን። ከምኡ’ውን ተሪር/ዋዒ ዝጻወር ጥርሙዝ። እዚ ናብ መደበር ዳግመ ምምስራሕ ክውሰድ ይኽእል።


ፖሊስተር/ISOPOR እዚ ናብ መደብራት ዳግመ ምምስራሕ/gjennvinningsstasjoner ወይ ድማ ኣብ ቦታ ናይ ካልእ/restavfall ጐሓፍ ከተረክቦ ትኽእል። ንከባቢ ሓደገኛ ዝኾነ ጐሓፍ (MILJØFARLIG AVFALL) ነዚ ናብቲ ናትና ናይ ዳግመ ምምስራሕ/gjennvinningsstasjoner ክትወስዶ ትኽእል ኢኻ። እቲ ዝኽፈተሉ ሰዓታት ኣብ www.mna.no ክትረኽቦ ትኽእል። ኣብነታት ንከባቢ ሓደገኛ ናይ ዝኾኑ ጐሓፋት፡ ተረፍመረፍ መሳርሒ ዘይቲ፡ መቐጠኒታት/ኣኳራጃ፡ ናይ ፍሊት ታኒካታት፡ ኮላ/ማስቲቺ፡ተረፍ ቦያ መልከዪ ሓጻውን፡ ጸረባልዕ ኣታኽልቲ፡ ዝተወድአ ባትሪታት ወዘተ። ናይ ሓጺን ሰንኬሎታትን ትሕዝቶ ዘይብሎምን ድሩቓትን ታኒካታትን ንከባቢ ሓደገኛታት ስለ ዘይኮኑ ከም ሓጺን ተቘጺሮም ኣብ እንዳ ሓጺን መግሓፊ ክጐሓፉ ይከኣል። ሓደገኛ ዝኾነ ጐሓፍ ኣብ ዳግመ ምምስራሕ ክውዕል ይኽእል፡ ወይ ድማ ከም ጸዓት ምጥቃም ይከኣል ወይ ድማ ናብ ውሑስ ናይ መቕሃሚ ቦታ ይስደድ። ሓደጋ ዘስዕብ ጐሓፍን ካብ መድሃኒታት ዝርከብ ጐሓፍን (RISIKOAVFALL OG MEDISINRESTER) ግዜኡ ዘሕለፈ መድሃኒታት ወይ ድማ ዘይትጥቀመሉ መድሃኒታት ናብ ቤትመሸጣ መድሃኒት ወይ ድማ ኣብ ናይ ቀዋሚ ሓኪም መጸበዪ ክፍሊ ኣብ ዘሎ ፍሉይ መዕቀቢ ከምኡ’ውን ኣብ ገለ ትካላት ጥዕና ክውገን ይኽእል። ብኸምዚ ድማ ግቡእ ኣተሓሕዛ ክንገብረልኩ ንኽእል። ኤለትሪካዊ ጐሓፍ (EE-AVFALL) ኤለትሪካዊ ጐሓፍ ዝብሃል ከም ብዓል እቶን/ምድጃ፡ ሓጸብቲ ማሺናት፡ ኮምፒዩተራት ቴለቪዥናት፡ መብራህትታት ወዘተ ዝኣመሰለ ካብ ስራሕ ወጻኢ ዝኾነ ፍርያት ኤለትሪክ እዩ። እዚ ከኣ ንዅሉ ኤለትሪካዊ ወይ ኤለትሮኒካዊ ክፋላት ዘጠቓልል እዩ። እቶም ሸየጥቲ ንከምዚ ዝኣመሰለ ጐሓፍ ቀንዲ ተቐበልቲ እዮም። ንሳቶም ንኤለትሪካዊ ጐሓፍ ካብ ተጠቀምቲ ብናጻ ይቕበሉዎ። እቲ ስራሕ ውሑስ መታን ክኸውን ግን ኮሙነታት’ውን ሓደ መቐበሊ ቦታ ገይሮም ኣለዉ። እዞም ዝተፈላለዩ ናውቲ ናብ ማእከል ዳግመ ምምስራሕ እዮም ዝለኣኹ።

ኒጋመልት ኣብ ናምሶስን ሩርቪክን (NYGAMMELT I NAMSOS OG RØRVIK) ኒጋመልት ንዝሃለኸ ነገራት ዳግመ ምጥቃም/ዳግም ምምስራሕ ዝግበረሉ ቦታ እዩ። ነቲ ንስኻ ዘይትደልዮ ነገር ካልኦት ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም። ዘገልገለ ኣቕሑ ገዛ፡ መሳርሒታት፡ መጻሕፍቲ፡ ክዳውንቲ ወዘተ ክኸውን ይኽእል። ንቍጠባዊ ይኹን ከባብያዊ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው ኣብ ኒጋመልት ምብጻሕ ጠቓሚ ከይኮነ ኣይተርፍን እዩ። ናብቲ ቦታ ጽሩይን ዘይተበላሸወን ክዳውንቲ ክተብጽሕ’ውን ትኽእል ኢኻ። እዚ ናብ UFF - ሓገዝ ካብ ህዝቢ ንህዝቢ እዩ ዝኸይድ።

ናምዳለን ጽርይቲ ንኽትከውን ብምብርካትካ ነመስግነካ!

Trio Media 05/14

ካልእ ጐሓፋት (ANNET AVFALL) ከምኡ’ውን ጐማታት መኪና፡ ኣጕናድ ዕንጨይቲ፡ ጣዋሉ፡ ብዘይቲ ዝተልክኽዩ ጣዋሉ መሳኹትን ሓጺነ መጺን ናብ ዳግመ ምምስራሕ መደበርና ክተምጽእ ትኽእል ኢኻ።


Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.