9789177231288

Page 1

መዓልታዊ ናብራ

እንዳ ኣረገውቲ ብዮርክጎርደን ብክሪስቲና ቫልዴን VILJA


ኣሕተምቲ ቪልያ Vilja förlag info@viljaforlag.se www.viljaforlag.se ኣርእስቲ: መዓልታዊ ናብራ - እንዳ ኣረገውቲ ብዮርክጎርደን ፋልማይ ኣርእስቲ: Vardag – Äldreboendet Björkgården ደራሲት: ክሪስቲና ዋልደን © 2016 Christina Wahldén, Vilja förlag ስእሊ ገበር: ኒኪ ተይለር ትርጉም: ብምንያ ጸጋይ, 2016 ቀዳማይ ሕታም 2016 ክወና: ኣልተክስት ቍጽሪ ገጻት: 24 ISBN 978-91-7723-128-8


ክሪስቲና ቫልዴን

መዓልታዊ ናብራ

እንዳ ኣረገውቲ ብዮርክጎርደን ትርጉም: ብምንያ ጸጋይ

Vilja förlag



ምዕራፍ 1 ሳራን ሊቭን ኣብ ሰገነት እንዳ ሊቭ ኮፍ ኢለን ኣለዋ። ሊቭ ስእልታት ናይ ቍልዕነታ ተርኢ ኣላ። ስእልታት ናይ ሊቭን ወለዳን’ዩ። – ሳራ፡ ኣበይ ኣለዉ ሕጂ? ኢላ ትሓትት። – ኣቦይ ሞይቱ’ዩ። ኣደይ ኣብ እንዳ ኣረገውቲ ትቕመጥ። ሓደ መቐመጢ ኣረገውቲ፡ ትብል ሊቭ።

5


– ስለምንታይ ምስ ስድራኺ ኣብዚ ዘይትቕመጥ? ትብል ሳራ። – ኣብ ሽወደን ከምኡ ኢና እንገብር። ሰብ እንተ ደኣ ኣሪጉን ሓሚሙን ናብ ሓደ መቐመጢ’ዩ ዚቕይር። ኣብቲ መቐመጢ ነቶም ኣረገውቲ ዚሕግዙ ሰራሕተኛታት ኣለዉ፡ ትብል ሊቭ። ሳራ፡ ሽወደናውያን ከመይ ኢሎም ከምዚ ምግባር ይደልዩ? ኢላ ትሓስብ። – ኣብቲ ቦታ ከመይ ከም ዝዀነ ከርእየኪ እኽእል’የ። ጽባሕ ምሳይ ናብኡ ክትከዲ ትደልዪዶ? ኢላ ሊቭ ትሓትት። – ሕራይ! ትብል ሳራ።

6


ምዕራፍ 2 እቲ ኣደ ሊቭ እትቕመጠሉ ቤት ብዮርክጎርደን ይብሃል። መሐጐስ ይመስል፡ ትብል ሳራ። እቲ ገዛ ሓዲሽን ጽቡቕን’ዩ። ብሕጡብ ዝተሃንጸ ሓጺር ገዛ’ዩ። ይኹን እምበር ሳራ ሓዘን ይስማዓ። እቶም ኣረገውቲ በይኖም ኮፍ ይብሉ። እቶም ሰራሕተኛታት ከኣ ህዉኻት ኢዮም።

7


ሊቭ ናብ ሓደ ኤቫ ዝተጻሕፎ ማዕጾ ትኸይድ። ኤቫ ኣደ ሊቭ’ያ። ሊቭ ትዅሕኵሕ። ናብ ሓደ ንእሽቶ ገዛ ይኣትዋ። ኣብቲ መስኮት ብዙሕ ዕንባባታት ተቐሚጡ’ሎ። ሳራ፡ ኤቫ ዕንባባታት ትፈቱ’ያ፡ ኢላ ትሓስብ።

8


Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.