__MAIN_TEXT__

Page 1

መልሲ ሕቶታት ህይወት ምድላይ?

ምስጢር

ሓቀኛ ህይወት

ብዛዕባ መፃኢኻ እርግፀኛ ዲኻ?

ምስጢር

ንኹሉ ነገር፣ ብፀሎትን ልመናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፣ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፣ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፣ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ። ፊልጵስዩስ 4፡6-7

ሓቀኛ ህይወት

ናይ ሓቂ ሰላም ከመይ ይረክብ?

ዝኸበዳካ ዓቢ ፆር ኣሎ ዶ?


መልሲ ሕቶታት ህይወት ምድላይ?

ምስጢር

ሓቀኛ ህይወት

ብዛዕባ መፃኢኻ እርግፀኛ ዲኻ?

ናይ ሓቂ ሰላም ከመይ ይረክብ?

ዝኸበዳካ ዓቢ ፆር ኣሎ ዶ?


ከ ም’ቲ

ፈጣሪ ዝመደቦ ህይወት ከመይ ክትነብር ከምዝግባእ ፍለጥ ፍፁምን ባህ ዘብልን ህይወት ንኽትነበር ተፈጢርካ። እዛ ንኡሹተይ ጥራዝ ከምቲ ፈጣሪ ዝመደቦ ህይወት ከመይ ክትነብር ከምዝግብኣካ ንኽትፈልጥ ሓገዝ ክትኾነካ’ያ። ኣብዛ ጥራዝ ዝተጠቕሳ ኵለን ጥቕስታት ካብቲ ብመሸጣ ኣብቀዳማይ ደረጃ ተሰሪዑ ዘሎ መፅሓፍ–ካብ መፅሓፍ ቅዱስ እዩ። ኣብ መላእ ዓለምና ሚሊዮናት ኣዕጋቢን፣ ዓሚቚ ናይ ህይወት ሕቶታትን ሽግራትን መልሲ ንምርካብ፣ ገፆም ናብዙይ መፅሓፍ’ዚ ይመልሱ ኣለዉ። እዛ ሓፃር ጥራዝ ካብ መጀመርታ ክሳብ መወዳእታ ብዛዕባ እቲ ንመላእ ዓለምን፣ ተባዕታይን ኣንሰተይትን ብመልክዑን ብምስሉን ዝፈጠረ እግዚኣብሄር እትዛረብ’ያ። እሞ፣ እቲ ፀገም እንታይ’ዩ? እዛ ጥራዝ ምስቲ ህይወት-ቀያሪ ዝኾነ ሉኣላዊ እግዚኣብሄር ከመይ ርክብ ከምዝህልወካ ክትገልፀልካን ከተመላኽተካን’ያ። 2


እቲ ሉኣላዊ እግዚኣብሄር ሰማያትን ምድርን ፈጠረ

እግዚኣብሄር ብመጀመርታ ሰማይን ምድርን ፈጠረ። እግዚኣብሄር ድማ ማያት ህይወት ዘለዎም እንስሳ ተውፅእ፤ ኣብ ልዕሊ ምድሪ፣ ትሕቲ ጠፈር ሰማይ ከዓ ኣዕዋፍ ይብረሩ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ህይወት ዘለዎ በብዓይነቱ ፍጥረት፣ እንስሳን፣ በብወገኑ ዝንቀሳቐስን፣ ኣራዊትን ተውፅእ በለ። እግዚኣብሄር ከዓ ብመልክዕና ኸም ምስልና ሰብ ንፍጠር ንዓሳን ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ንእንስሳን፣ ንዅላ ምድርን ንዅሉ ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ይግዝኡ በለ።

እግዚኣብሄር ዝፈጠራ ዓለም

እግዚኣብሄር ድማ ብመልክዑ ንሰብ ፈጠረ፤ ብመልክዕ እግዚኣብሄር ፈጠሮ፤ተባዕታይን ኣንሰተይትን ገይሩ ድማ ፈጠሮም። እግዚኣብሄር ከዓ ብዝሑን ተባዝሑን ንምድሪ ምልእዋን ምለኽዋን፣ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ዝንቀሳቐስን ኵሉ እንስሳን ግዝኡ ኢሉ ባረኾም። ዘፍጥረት 1፡1፣ 20፣24፣26-28

3


ሉኣላዊ እግዚኣብሄር መፍቀሪ ኣቦ’ዩ

“ኣቦ ክኾነኩም እየ፤ ንስኻትኹም’ውን ኣወዳትን ኣጓላትን ክተኮኑኒ” ኢኹም’ይብል፣ ኵሉ ዝኽእል እግዚኣብሄር፤ 2ይ ቆሮንቶስ 6፡18

4


ወለዲ– ካባኻትኩም ዉላድኩም እንጀራ እንተ ለመነኩም እምኒ ዝህብ መንዩ? ወይ ከዓ ዓሳ እንተለመኖ ተመን ዝህቦ?

ኒ እም

እምበኣርከስ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት እንተለኹም ንደቅኹም ሰናይ ውህብቶ ምሃብ ካብፈለጥኩም እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኻትኩም ግዳ ንዘለመንዎ ክንደይ ኣብዚሑ ሰናይ ነገር ዘይህቦም? ማቴዎስ 7፡9-11

ንኣና ግና ኹሉ ኻብኡ ዝኾነ፣ ንሕና’ውን ንእኡ ዝኾናን፣ ሓደ እግዚኣብሄር ኣብ ኣሎና፤ ከምኡ’ውን፣ ኵሉ ብእኡ እንነብርን፣ ሓደ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ኣለና። 1ይ ቆሮንቶስ 8፡6 5


ብዘሕዝን ኵነታት፣

ሰብ ካብ እግዚኣብሄር ንገፁ መለሰ ኵላትና ከምዝትበታተና ኣባጊዕ ጠፋእና፤ ነፍሲ ወከፍ ነናብ መንገዱ ዘምበለ፤ እግዚኣብሄር ከዓ ንበደል ኵላትና፣ ኣብ ልዕሊኡ ኣንበሮ። ኢሳይያስ 53፡6

6


መንገዲ

መንገደይ እግዚኣብሄር ይ ንገደ ብመጎየኹ

ሰነፍ ብልቡ እግዚኣብሄር የለን ይብል። ረኸሱ፤ ብበደሎም ድማ ሓሰሩ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን። ዘስተውዕል፣ ንእግዚኣብሄር’ውን ዝደሊ እንተሃልዩ ኽርኢ፣ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ናብ ደቂ ሰብ ተመልከተ። ኵላቶም በደሉ፤ ኵላቶም ድማ ሓቢሮም ረኸሱ፤ ንሰናይ ነገር ዝገብራ የለን፤ ሓደኳ የለን። መዝሙር 53፡1-3

7


ነቲ ሉኣላዊ እግዚኣብሄር

ብጐይታ ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ትፈልጦ ትኽእል’ኻ

ክርስቶስ ናይቲ ዘይርአ እግዚኣብሄርኣምሳልን፣ ቅድሚ ዅሉ ፍጥረት በዅርን እዩ። ኣብ ሰማያትን ኣብ ምድርን ዘሎ ዅሉ፣ዝርአን ዘይርአን፣ ሓይልታት ይኹኑ ገዛእቲ፣ ኣሕሉቕ ይኹኑ ስልጣናት፣ ኵሎም ብእኡ ዝተፈጥሩ እዮም እሞ፣ ኵሉ ብእኡን ንእኡን እዩ ዝተፈጥረ። ቈላስይስ 1፡15-16

8


ሰብ 

እግዚኣብሄር

ሓደ እግዚኣብሄርን ሓደ ማእከላይን ኣሎ እግዚኣብሄር ሓደ እዩ፤ እቲ አመንጎ እግዚኣብሄርን ሰብን ዘሎ መተዓረቒ ድማ፣ ሓደ እዩ፤ ንሱ ኸዓ እቲ ሰብ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ንሱ ክንዲ ዅሉ ሰብ፣ ቤዛ ገይሩ ንባዕሉ ኣሕሊፉ ሃበ፣ እዙይ’ውን፣ በቲ ብገዛእ ዘመኑ ምስክርነቱ ነበረ። 1ይ ጢሞቴዎስ 2፡5-6

ንሱ’ውን ክብሪ እግዚኣብሄር መግለፂ፣ ንዅሉ ነገር ብናይ ቃሉ ሓይሊ ዘቕውም ብባህርዩ ፍፁም ኣርኣያ እግዚኣብሄር ዝኾነ እዩ። ዕብራዉያን 1፡3

እቲ ንወልድ ዝኽሕድ፣ እግዚኣብሄር ኣብ ኣብኡ የለን፤ እቲ ንወልድ ዝኣምን ግና እግዚኣብሄር ኣብ ኣብኡ ኣሎ። 1ይ ዮሃንስ 2፡23 9


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንድኻታት፣ ንምሩኻት፣ ንግፉዓትን፣ ንሕሙማትን፣

ሰናይ መልእኽቲ

(ብስራት–ወንጌል) ሒዙሎም መፅአ። እግዚአብሄር ከመይ ኢሉ፣ ነቲ ንናይ ናዝሬት ኢየሱስ፣ ብመንፈስ ቅዱስን ብሓይልን ከምዝቐብኦ፣ ንሱ ኸዓ እግዚኣብሄር ምስኡ ስለዝነበረ፣ ኣብ ኵሉ ፅቡቅ ከምዝነበረን፣ ንኹሎም ነቶም ንሰይጣን ዝተገዝኡ ከም ዘሕወየውን፣ ንስኻትኹም ትፈልጡ ኢኹም። 10

ግብሪ ሃዋርያት 10፡38


ናብታ ዝዓበየላ ናብ ናዝሬት ድማ ኸደ፤ ብዕለት ሰንበት ከዓ፣ ከምቲ ልማዱ ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ኣተወ፤ ከንብብ’ውን ተንስአ። መፅሓፍ ነቢይ ኢሳይያስ ድማ ሃብዎ፤ ነቲ መፅሓፍ እንተ ቐልዖ ኸዓ፣ ከምዙይ ዝብል ዘተፃሕፎ ኽፍሊ ረኸበ፦

“መንፈስ እግዚኣብሄር ኣብልዕለይ ኣሎ፤ ንድኻታት ከበስሮም ቀብአኒ፤ ንእሱራት ዝፍትሑሉ፣ ንዕውራት ምርኣይ፣ ንግፉዓት ምውፃእ ሓራ ኸበስር፣ ንሕርይቲ ዓመት እግዚኣብሄር’ውን ክሰብኽ ልኣኸኒ።” ነቲ መፅሓፍ ዓፂፉ ኸዓ፣ ነቲ ኣገልጋሊ ሂብዎ ተቐመጠ፤ ኵሎም እቶም ኣብታ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ ዝነበሩ፣ ኣዒንቶም ኣተኲሮም ይጥምትዎ ነበሩ። ሽዑ “ናይዚ መፅሓፍ እዙይ ቃል፣ ሎሚ ኣብ ቅድሜኹም ተፈፀመ” ክብሎም ጀመረ። ሉቃ4፡16-20

11


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ሓይሊ ፈውሲ ኣለዎ ፀሓይ ዓሪቡ ምስ መሰየ፣ ንኹሎም ሕሙማትን ኣጋንንቲ ዝሓደሮርዎምን ናብኡ ኣምፅእዎም። ኵላቶም ሰባት እታ ኸተማ ድማ፣ ኣብቲ በሪ ተኣከቡ። ንሱ ድማ ብዝተፈላለየ ሕማም ንዝሳቐዩ ብዙሓት ሰባት ኣሕወየ፤ እቶም ኣጋንንቲ ኸዓ፣ ንሱ መን ምዃኑ ይፈልጥዎ ስለዝነበሩ፣ ክዛረቡ ኣይፈቐደሎምን። ማርቆስ 1፡32-34

12


እንሆ ኸዓ ኻብ ዓሰርተ ኽልተ ዓመት ጀሚሩ፣ ደም ዝፈስሳ ሰበይቲ ነበረት። ናብ ብዙሓት ሓኻይም ብምኻድ ብዙሕ ተሳቐየት፤ ኵሉ ገንዘባውን ወድአት፤ እንተኾነ ገደዳ ደኣ እምበር ኣይጠቐማን። ብዛዕባ ኢየሱስ ምስ ሰምዐት፣ ኽዳኑ እንተነኺአ ኽሓዊ እየ ኢላ፣ ብማእኸል እቶም ህዝቢ ሓሊፋ፣ ብድሕሪኡ መፂኣ ኸዳኑ ነኽአት። እቲ ዝፈስስ ዝነበረ ደማ ኸዓ፣ ብቕፅበት ቆመ። ካብ ሕማማ ኸም ዝሓወየት’ውን ተፈለጣ። ኢየሱስ ኸዓ ሽዑ ኻብኡ ሓይሊ ኸም ዝወፅአ ፈሊጡ፣ ናብቶም ህዝቢ ግልፅ ኢሉ “መን እዩ ኽዳነይ ዝነኸአ?” በለ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ “ህዝቢ ናባኻ እንትፀቓቐጥ እናረአኻስ ‘መን’ዩ ዝነኽኣኒ’ ትብል ኣለኻ?” በለዎ። ኢየሱስ ነዚ እዙይ ዝገበረ ንኽርኢ ምልስ ኢሉ ጠመተ። እታ ሰበይቲ ግና፣ እቲ ኣብኣ ዝኾነ ስለዝፈለጠት ብፍርሓት እናንቀጥቀጠት መፂኣ ሰገደትሉ፤ ኵሉ እቲ ሓቂ’ውን ነገረቶ። ንሱ ኸዓ “ጓለይ፣ እምነቲኪ እያ ዘሕወየትኪ ብሰላም ኪዲ ካብ ሕማምኪ’ውን ሕወዪ!” በላ። ማርቆስ 5፡25-34

13


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ኣብ ልዕሊ ርኹሳን መናፍስቲ ስልጣን ኣለዎ ዘፍርሕ’ዩ!

14


ኢየሱስን ደቀ መዛሙርቱን ናብ ቅፍርናሆም ከዱ፤ ኢየሱስ ድማ ብሰንበት ናብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ(ምኩራብ) ኣትዩ ኽምህር ጀመረ። ከምቶም መምህራን ሕጊ ዘይኮነስ ከም ብዓል ስልጣን ይምህሮም ስለዝነበረ ብትምህርቱ ተገረሙ። እንሆ ኸዓ ኣብቲ ቤት ፀሎቶም ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሓደ ሰብ ነበረ። እናእወየ “ናይ ናዝሬቱ ኢየሱስ ንስኻ ምሳና እንታይ ኣለካ? ክተጥፋኣናዶ መፂእኻ? ንስኻ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ ምዃንካ ፈሊጠካ ኣለኹ።” በለ። ኢየሱስ ድማ “ስቕ በል! ካብኡውን ውፃእ!” ኢሉ ገሰፆ። እቲ ርኹስ መንፈስ ከዓ፣ ነቲ ሰብኣይ ፈርፈር ኣበሎ ብዓብዪ ድምፂ እናእወየ ድማ ኻብኡ ወፀ። ኵላቶም ድማ “እታይ ድኣ እዩ እዝ ሓዱሽ ትምህርቲ እዙይ? ንርኹሳት መናፍስቲ ብስልጣን ይእዝዞም፤ ንሳቶም’ውን ይእዘዝዎ” እናበሉ ንስንሳቶም እናተጠያየቑ ተገረሙ። ማርቆስ 1፡21-27

ዘገረም’ዩ?!

15


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ኣብ ልዕሊ ተፈጥሮ ስልጣን ኣለዎ

16


ሓደ መዓልቲ ምስ ደቀመዛሙርቱ፣ ናብ ጃልባ ኣትዩ “ንዑ ናብቲ ማዕዶ ባሕሪ ንስገር” በሎም’ሞ ኸዱ። ብጃልባ እናኸዱ እንተለዉ ኸዓ፣ ኢየሱስ ደቀሰ፤ ኣብቲ ባሕሪ ድማ ንፋስ ኣውሎ ተላዕለ፤ ነታ ጃልባኦም’ውን ማይ መልአ፤ ንሳቶም ድማ ተጨነቑ። ሽዑ ናብኡ ቐሪቦም “መምህር መምህር ጠፋእና!” ኢሎም ኣንቅሕዎ፤ ንሱ ድማ ተሲኡ፣ ነቲ ንፋስን ነቲ ማዕበል ባሕርን ገሰፆምሞ ፀጥ በሉ፤ ህድኣት’ውን ኮነ። ሽዑ “እምነትኩም ደኣ ኣበይ ኣሎ?” በሎም። ንሳቶም ድማ ፈርሑን ተደነቑን፤ ንስነሳቶምውን “እዝ ንባሕርን ንንፋስን ዝእዝዝ፣ ንሳቶም ድማ ዝእዘዝሉ መን’ዩ?” ተበሃሃሉ። ሉቃስ 8፡22-25

17


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ሓጢኣት ይቕረ ናይ ምባል ስልጣን ኣለዎ ከመይ እዙይ ክገብር ተኻእሎ?

18


እንሆ ሰባት ሓደ መፃጒዕ ሰብኣይ ብዓራት ፀይሮም ናብኡ ኣምፅኡ፤ ኣብ ገዛ ኣእዮትም’ውን ንኽፍውሶ ኣብቅድሚኡ ኸንብሮዎ ይደልዩ ነበሩ። ካብ ብዝሒ ሰብ ዝተልዓለ፣ ከመይ ገይሮም ከም ከምዘእትውዎ ምስ ተሸገሩ፣ ናብ ናሕሲ ደየቡ እሞ፣ ነቲ ሰርወ ኣልዒሎም፣ ምስ ዓራቱ ናብ ውሽጢ ገዛ ኣውሪዶም፣ ኣብ ቅድሚ ኢየሱስ ኣንበርዎ። ኢየሱስ ኸዓ እምነቶም ሪኡ “ኣታ ሰብኣይ፣ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ” በሎ። መምህራን ሕግን ፈሪሳውያንን ግና “እዝ ንግዚኣብሔር ዝፀርፍ ዘሎ መን እዩ? በዘይ ሓደ እግዚኣብሔርከ፣ ሓጢኣት ክሓድግ ዝኽእል መን እዩ?” እናበሉ ኽሓስቡ ጀመሩ። ኢየሱስ ኸዓ ሓሳባቶም ፈሊጡ ኸምዙይ በሎም፦ “ስለ ምንታይ ብልብኹም ከምዙይ ኢልኹም ትሓስቡ? ኣየናይ ይቐልል? ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ እዩ’ ምባል ዶ ወይ ተሲእኻ ኺድ’ ምባል? እምብኣርስ ወዲ ሰብ ኣብ ምድሪ ሓጢኣት ክሓድግ ስልጣን ከም ዘለዎ ክትፈልጡ” ኢሉ ነቲ መፃጒዕ “ንኣኻ ይብለካ ኣለኹ፣ ተስእ’ሞ ዓራትካ ፆይርካ ናብ ገዛ ኺድ” በሎ። ንሱ ድማ ሽዑ ንሽዑ ኣብ ቅድሜኣቶም ብድድ ኢሉ ነታ ደቂሱላ ዝነበረ ዓራት ፀየሩ ንእግዚኣብሄር እናመስገነ፣ ናብ ገዛኡ ኸደ። ኵሎም ድማ ተገረሙ፤ ፍርሓትውን ሓደሮም “ሎምስ ዘደንቕ ነገር ርኢና!” እናበሉ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣመስገንዎ። ሉቃስ 5፡18-26

19


ከመይ ንሱ ንዓይ ንሓጢኣተኛ ኣፍቀረኒ... ሓጥእ... ከመይስ ንሓጢኣተይ ክመውት ክኣለ?

20


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ስለ ሓጢኣትና ክሞተልና መፂኡ

ግና ንሕና፣ ገና ሓጥኣን እንተለና፣ ክርስቶስ ምእንታና ሞይቱ እዩ እሞ፣ እግዚኣብሄር እታ ኣባና ዘላቶ ፍቕሪ፣ በዙይ የርኢ ኣሎ። ሮሜ 5፡8

ንኽልተ ኸተርትውን ምስኡ ኽሰቕልዎም ወሰድዎም። ቀራንዮ ኣብ ዝብሃል ስፍራ ምስ በፅሑ፣ ኣብኡ ሰቐልዎ፤ ነቶም ኽልተ ኸተርቲውን ሓደ ብየማኑ፣ ሓደ ብፀጋሙ ሰቐልዎም። ሉቃስ 23፡32-33

ንሓጢኣትና ሞይትና፣ ንፅድቂ ምእንቲ ኽንነብር፣ ንሱ ባዕሉ፣ ንሓጢኣትና በቲ ኣብ መስቀል ዝተሰቕለ ሰብነቱ ፆሮ፤ ብቚስሉ ኢኹም ዝሓወኹም። 1ይ ጴጥሮስ 2፡24

ክርስቶስውን ናብ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኸቕርበና፣ ፃድቅ እንተሎ ምእንቲ ሓጥኣን ሓንሳእ ንሓዋሩ መከራ ተቐቢሉ ሞተ። ብስጋ ሞተ፤ ብመንፈስ ግና ህያው ኮነ። 1ይ ጴጥሮስ 3፡18 21


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ንሞት ስዒሩ ሎሚ ብህይወት ኣሎ

በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፣ እተን ኣንእስቲ ነቲ ዘዳለዋኦ ሽቱ ሒዘን፣ ካልኦትውን ምስኣተን፣ ኣንጊሀን ናብቲ መቓብር ከዳ። እቲ እምኒ ኸዓ፣ ካብቲ መቓብር ተንከባሊሉ ረኸባኦ። ኣብኡ ኣትየን ግና፣ ናይ ጐይታ ኢየሱስ ስጋ ኣይረኸባን። ብዛዕባ እዙይ ክግረማ እንተለዋ ድማ፣ እንሆ ዘንፀባርቕ ክዳውንቲ ዝተኸደኑ ኽልተ ሰባት ኣብ ጥቓአን ደው በሉ።

22


ፈሪሐን ገፀን ናብ ምድሪ ኣድኒን እንተለዋ፣ ንሳቶም፦ “ንምንታይ ደኣ፣ ነቲ ህያው፣ ምስ ምውታን ትደልያኦ ኣለኽን? ንሱስ ተንሲኡ እዩ፤ ኣብዙይ የለን። ነቲ ኣብ ገሊላ እንተሎ ‘ወዲ ሰብ፣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ክውሃብን ክስቀልን፣ ብሳልሰይቲ መዓልቲ እውን፣ ክትስእ ግድን እዩ’ ኢሉ ዝነገረክን ዘክራ” በልወን። ሉቃስ 24፡ 1-7

ነቲ ኣነ ዝተቐበልክዎ፣ ቅድሚ ዅሉ ኣመሓላሊፈልኩም እየ፤ ከምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ፦ “ክርስቶስ ምእንቲ ሓጢኣትና ሞተ፤ ተቐበረውን” ኸምቲ ቕዱሳት መፃሕፍቲ ዝብልዎ ኸዓ “ብሳልሳይ መዓልቲ ተንስአ” ንጴጥሮስ ተርኣዮ ደሓርውን ነቶም ዓሰርተ ሓደ ተርኣዮም። ብድሕሪኡ፣ ካብ ሓሙሽተ ሚእቲ ንዝበዝሑ ኣሕዋት ብሓደ ጊዜ ተርኣየ፤ ካባኣቶም እቶም ዝበዝሑ ኽሳዕ ሎሚ ኣለዉ፤ ገሊኣቶም ግና ደቂሶም እዮም። 1ይ ቆሮንቶስ 15፡3-6

23


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ቅፅዓት ሓጢኣትና ወሲዱልና ናይ እግዚኣብሄር ክቡር መዐቀኒ

ኵሎም በዲሎም እዮም፤ ክብሪ እግዚኣብሄር ከዓ ጐዲልዎም እዩ። በቲ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ ቤዛ፣ ብኸምኡ ብፀጋኡ ይፀድቁ እዮም እሞ። እግዚኣብሄር ከዓ፣ ፅድቁ ምእንቲ ኸርኢ፣ ነቲ ቕድም ዝተገብረ ሓጢኣት፣ ብመለኮታዊ ትዕግስቱ ይቕረ ኢሉ፣ ብእምነት ዝርከብ ብደሙ ስርየት መርከቢ ገይሩ ንእኡ ኣቘሞ። ሮሜ 3፡ 23-25

ኢየሱስ ድማ፦ “ኣነ መንገድን ሓቅን ህይወትን እየ፤ ብዘይ ብኣይ፣ ሓደ’ኳ ናብ ኣብ ዝመፅእ የለን።” በለ። ዮሃንስ 14፡6

ናይ ሰብ መዐቀኒ

ብናይ ገዛእ ርእስኻ ፃእሪ ናብ ፅድቂ እግዚእብሄር ክትበፅህን ንዕኡ’ውን ባህ ከተብሎ ኣይካለካን’ሞ ኢየሱስ ክርስቶስ ከድሕነካ አላዎ። ናብ እግዚኣብሄር ዘብፅሕ እንኮ (በይናዊት) መንገዲ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ጥራሕ’ዩ።

24


ብክርስቶስ ኣቢልና ኢና ናብቲ ናይ እግዚኣብሄር ክቡር መዐቀኒ ክንበፅሕ ዝክኣለና።

ናይ እግዚኣብሄር ክቡር መዐቀኒ

ቅዱስ ጳውሎስ ከምዚ ይብል፦ “ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ንሓጥኣን ከድሕን መፀ” ዝብል ቃል፣ እሙንን ኵሉ ሰብ ክቕበሎ ዝግባእን እዩ። ኣነ ኸዓ፣ ካብ ኵሉ ዝደገደድኩ ሓጢኣተኛ እየ። በዚ ምኽናያት እዙይ ድማ እየ፣ ኣነ ምሕረት ዝረኸብኩ፤ ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ነቲ ወሰን ዘይብሉ ትዕግስቱ፣ ቅድም ኣባይ ካብ ኵሉ ዝገደድኩ ሓጢኣተኛ ንዝኾንኩ ብምግላፅ፣ ነቶም ናይ ዘለኣለም ህይወት ክረኽቡ ኢሎም ብእኡ ዝኣምኑ፣ መርኣያ ገበረኒ።” 1ይ ጢሞቴዎስ 1፡15-16

ብእኡ ክንድሕን ዝግባእ ካልእ ስም፣ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንደቂ ሰብ ኣይተውሃበን እዩሞ፣ ድሕነት ብኻልእ ከቶ የለን። ግብሪ ሃዋርያት 4፡12

25


ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣቢልካ ናይ

ዘለኣለም ህይወት ምሕረት(ይቕሬታ)

ክትቕበል ትኽእል ኢኻ

ህይወት

ዓስቢ ሓጢኣት ሞት እዩ፣ ውህብቶ ፀጋ እግዚኣብሄር ግና፣ ብኢየሱስ ክርስቶስ ጐይታና፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሮሜ 6፡23

ናፃ ህያብ ዝኾነ ምድሓን ካብ እግዚኣብሄር ተቐበል

ኵሉ ብእኡ ዝኣምን፣ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽረክብ እምበር፣ ከይጠፍእስ፣ እግዚኣብሔር ንሓደ ወዱ ቤዛ ገይሩ ኽሳዕ ዝህብ ክንድዙይ ንዓለም ኣፍቀሮ። እግዚኣብሄር ንወዱ ናብ ዓለም ዝልኣኾ፣ ዓለም ብእኡ ምእንቲ ኽድሕን እምበር፣ ንዓለም ክፈርድ ኢሉ ኣይኮነን። ዮሐንስ 3፡16-17 26


ኣብ ኣፍደገ ሕይወትካ ኮይኑ ኢየሱስ ክርስቶስ ከምዚ ይብለካ’ሎ፦

“እንሆ ኣብ ኣፍ ደገ ደው ኢለ እኵሕኵሕ ኣለኹ። ሓደኳ ድምፀይ ሰሚዑ ማዕፆ እንተ ኸፊቱለይ፣ ናብኡ ኽኣቱ ምስኡውን ክበልዕ እየ፤ ንሱውን ምሳይ ክበልዕ እዩ።” ራእይ 3፡20

ኢየሱስ ክርስቶስ ንሓጢኣትካ ከምዝሞተ እመን

ስለዙይ ብኣፍካ፣ “ኢየሱስ ጐይታ እዩ” ኢልካ እንተመስከርካ፣ ብልብኻውን፣ እግዚኣብሄር ካብ ሞት ከምዘተንስኦ እንተ ኣሚንካ፣ ትድሕን። ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይፀድቕ፤ ብኣፉ መስኪሩውን ይድሕን እዩ እሞ። ሮሜ 10፡9-10

ውሉድ ኣምላኽ ምዃንካ ፍለጥ!

ነቶም ኵሎም ዝተቐበልዎን ብስሙ ንዝኣምኑን ግና፣ ውሉድ እግዚኣብሄር ክኾኑ ስልጣን ሃቦም። ዮሃንስ 1፡12

ሕዚ ንኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ውሽጥኻ ንኽትዕዶሞን ክትቕበሎን ትኽእል ኢኻ።

ነዚ ዝስዕብ ፀሎት ድማ ካብ ልብኻ ፀልይ፦ ጎይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንዓይ ክትብል ኣብ መስቀል ስለ ዝሞትካለይ የመስገነካ ኣለኹ፣ ብፃዕረይን ፅድቀይን ኣብ ቅድሜኻ ክቐርብን ጠጠው ክብልን ከምዘይክእል ይእመን ኣለኹ፣ ኢየሱስ ንስኻ ንህይወተይ ኣዚኻ ተድልየኒ ኢኻ፤ ምሕረት ግበረለይ፣ ኣድሕነኒ! ሕዚ ንገዛእርሰይ ይህበካ ኣለኹ፣ ከም ናትካ ገይርካ ስለተቐበልካንን ስለዘፍቀርካንን የመስግነካ ኣለኹ፣ ሕዚ ውሉድ እግዚኣብሄር ስለዝኾንኩ የመስግነካ ኣለኹ፣ አሜን። 27


ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ

ብዛዕባ ፀገማትካ ይሓልየልካ’ዩ፣ ንኽትዕወት’ውን ክረድኣካ’ዩ።

ኣብ ገፅ 27 ዘሎ ፀሎት እንተ ፀሊኻ ሓጢኣትኻ ተሓዲጉልካ’ሎ። ሕዚ ውሉድ ኣምላኽ ኾይንካ ኣሎኻ! ናይ እግዚኣብሄር መንፈስ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ውሽጥኻ ሓዲሩ’ሎ። ሰዓቢ ኢየሱስ ክርስቶስ ንክትኸውን ክረድኣካ፣ ኣብ መዓልታዊ ናይ ህይወት ጒዑዞኻ’ውን ከፀናንዓካን ክመርሓካን ‘ዩ። ኢየሱስ ከምዚ ኢሉ’ሎ፦ “እቲ መንፈስ ሓቂ መስ መፀ ግና፣ ናብ ኵሉ ሓቂ ኽመርሓክም እዩ፤ ንሱ ነቲ ዅሉ ዝሰምዖ እዩ ዝዛረብ እምበር፣ ካብ ባዕሉ ኣይዛረብን እየ።” ዮሃንስ 16፡13 መንፈስ ቅዱስ እግዚኣብሄር ንዓኻ ዘለዎ ፍቕርን ሓልዮትን ከዘኻኽረካ’ዩ። ፀገማት ከጓንፉካ እንተለዉ፣ በይንኻ ኣኮንካን ኩለን ተስፋታት ኣምላኽ ንከፀናንዓኻ፣ ጥበብን ፅንዓትን ክህባኻ ምሳኻ ኣለዋ።ካብተን ተስፋታት ሓደ ሓደ፦

ኣብ ጊዜ ፍርሓት

ኣነ ምሳኻ እየ እሞ፣ ኣይትፍራሕ፣ ኣነ ኣምላኻ እየ እሞ፣ ኣይትሸበር፤ ከበርትዐካ እየ፣ ክረድኣካውን እየ፤ ብፅድቂ የማነይውን ክድግፈካ እየ። ኢሳይያስ 41፡10

ኣብ ጊዜ ምቕባፅ ተስፋኻ

ፃድቃን ናብ እግዚኣብሄር ኣእወዩ፤ ንሱ ድማ ሰምዖም፤ ካብ ኵሉ መከራኦምውን ኣናገፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ልቦም ዝተሰብረ ቐረባኦም እዩ፤ ነቶም መንፈሶም ዝተሰብረ ድማ የድሕኖም። 28

መዝ 34፡ 17-18


ክትሓምም ከለኻ

ብሓቂ ንሱ ደዌና ተቐበለ፤ ሕማማምና’ውን ተሸከመ፤ ንሕና ግና ብእግዚኣብሄር ከምዝተወዕቐን፣ ከምዝተቐስፈን ከም ዝተሳቐየን ቈፀርናዮ። ንሱ ግና ብሰንኪ ሓጢኣትና ቘሰለ፤ ብሰንኪ በደልናውን ደቐቐ፤ ምእንቲ ደሕንነትና፣ መቕሰፍቲ ናብኡ ወረደ፤ ንሕናውን ብቑስሉ ተፈወስና። ኢሳይያስ 53፡4-5

ኣብ ጊዜ ድኻምካ

ኢየሱስ ከምዙይ በለ፦ “ኣቱም እትፅእሩን ፆር ዝኸበደኩምን ኵላትኩም ናባይ ንዑ፤ ኣነውን ከዕርፈኩም እየ። ኣርዑተይ ፁሩ፤ ካባይውን ተምሃሩ፤ ኣነ የዋህ እየ፤ ልበይውን ትሑት እዩ እሞ፣ ንነፍሱኹም ዕረፍቲ ክትረኽቡ ኢኹም። ኣርዑተይ ልዙብ፣ ፆረይውን ቀሊል እዩ እሞ” ማቴዎስ 11፡ 28-30

ንሞት ክትቀርብ ከለኻ፦

ግና፣ ኣሕዋተይ፣ ከምቶም ተስፋ ዘይብሎም ካልኦት፣ ምእንቲ ከይትሓዝኑ፣ ብዛዕባ እቶም ዝሞቱ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። ኢየሱስ ከምዝሞተ፣ ካብ ሞትውን ከም ዝተንስአ፣ እንተድኣ ንኣምን ኴንና፣ እግዚኣብሄር ብኢየሱስ ኣሚኖም ደቂሶም ዘለዉ፣ ብኢየሱስ ኣተንሲኡ ምስኡ ኸምፅኦም እዩ። 1ይ ተሰሎንቄ 4፡ 13-14

ኢየሱስ ድማ “ትንሳኤን ህይወትን ኣነ እየ፤ እቲ ብኣይ ዝኣምን፣ እንተ ሞተ እኳ ብህይወት ክነበር እዩ። እቲ ዅሉ ህያው ዝኾነ ብኣይ ዝኣምን፣ ንዘለኣለም ኣይመውትን እዩ፤” ዮሃንስ 11፡25-26 29


ውሕስነት ክትስእን ከለኻ

እምብኣር ብዛዕባ እዝ ነገር እዙይ፣ እንታይ ክንብል ኢና? እግዚኣብሄር ምሳና ካብ ኮነኸ፣ መን እዩ ዝቃወመና? ንወዱ እኳ፣ ምእንቲ ዅላትና ኣሕሊፉ ሃቦ እምበር ዘየናሕሰየሉስ፣ ከመይ ድኣ ምስኡ፣ ኵሉ ብልግሲ ዘይህበና? ሮሜ 8፡ 31-32

ኣብ ጊዜ ጭንቀትካ

ደጊም ብጊዜኡ ንሱ ልዕል ምእንቲ ኸብለኩም፣ ኣብ ትሕቲ እታ ሓያል ኢድ እግዚኣብሄር፣ ርእስኹም ትሕት ኣብሉ። ንሱ ይሓልየልኩም እዩ እሞ፣ ንዅሉ ዘጨንቐኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ። 1ይ ጴጥሮስ 5፡6-7

ብዛዕባ ገንዘብ ክትጭነቕ ከለኻ

ኣምላኸይ ከመጠን ሃብቱ፣ ብኽብሪ፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ፣ ኵሉ ድልየትኩም ክመልኣልኩም እዩ። ፊልጵስዩስ 4፡19

ክትበሳጮ ከለኻ

ተቘጥዑ፣ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ ቍጥዓኹም፣ ፀሓይ ኣይትዕረበኩም፤ ኤፌሶን 4፡26

ብሕትውና ክስምዓካ እንተሎ

ኢየሱስ ከምዙይ ኢሉ’ሎ፦ “ነቲ ዅሉ ዝኣዘዝኩኹም ምእንቲ ኽሕልዉዎውን እናመሃርኩምዎም፣ ደቀ መዛሙርት ግበርዎም፤ እንሆ፣ ኣነ ድማ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም፣ ኵልሻዕ ምሳኻትኩም እየ።” ማቴዎስ 28፡20 30


እትትፅረፍን እንትትስጎጒን እንተለኻ

ምእንቲ ፅድቂ ዝስደዱ ብፁኣን እዮም፤ መንግስተ ሰማያት ናታቶም እያ እሞ። ምእንታይ እንተ ፀረፉኹምን፣ እንተሳጐጒኹምን፣ ኵሉ ኽፉእውን ብሓሰት እንተ ተዛረቡልኩምን ብፁኣን ኢኹም። ነቶም ቅድሜኹም ዝነበሩ ነቢያት ከምኡ ኣሳጒጐምዎም እዮም እሞ፣ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለዝኾነ ተሓጐሱ፤ ደስውን ይበልኩም። ማቴዎስ 5፡10-12

ፍትሕን ፅድቅን እንትጓደል

ብዛዕባ እታ ኣባኻትኹም ዘላ ተስፋ፣ ንዅሉ ዝጥይቐኩም ምላሽ ምሃብ ምእንቲ ኽትክእሉ፣ ኵልሻዕ ድልዋት ኩኑ። ግን ብለውሃትን ፍትሒ እንትጓደል ብኣኽብሮትን ግበርዎ። እቶም ነቲ ብክርስቶስ ዘለኩም ሰናይ ኣካይዳኹም ዝፀርፉ፣ በቲ ዝፀርፍዎ ምእንቲ ኽሓፍሩ፣ ንፁህ ሕሊና ይሃልኹም። እግዚኣብሄር እንተፈቒድዎስ ካብ ክፉእ እናገበርኩም፣ ሰናይ እናገበርኩም፣ መከራ ምቕባል ይሐይሽ እዩ። 1ጴጥሮስ 3፡15-17

ሰላም እንትስእን ተለኻ

ብኣኻ ተኣሚና እያ እሞ፣ እዛ ብኣኻ እትእመን ነፍሲ፣ ፈፂምካ ብሰላም ክትሕልዋ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ኣምባ እዩሞ፣ ንዘለኣለም ብእግዚኣብሄር ትኣመኑ። ኢሳይያስ 26፡ 3-4

ኣብ ጊዜ ጣዕሳ/ናሕሳ ሕሊናኻ

“እምብኣር ንዑ፤ ንዋቐስ” ይብል እግዚኣብሄር “ሓጢኣትኹም ከም ጁዅ እኳ እንተ ቐይሐ፣ ከም በረድ ከፃዕድዎ እየ። ከም ደም እንተ ቐይሐውን ከም ፃዕዳ ፀምሪ ክኸውን እዩ።”  በደል

ኢሳይያስ 1፡18 31


ኣብ ጊዜ ምስኣን ትዕግስቲ

ንእግዚኣብሄር ሃዲእካ(ብትዕግስቲ) ተፀበዮ፤ ንእኡውን ተስፋ ግበር፤ መንገዱ ዝቐንዓሉ፣ ክፍኣትውን ብዝኣልም ሰብ ኣይትቅናእ። መዝሙር 37፡7

Copyright © 2016 FL Media መሰሉ ዝተሓለወ’ዩ። Printed in India for MediaServe, 2016 www.mediaserve.org

Tigrigna

ኵሉ ኣብዛ ንኡሹተይ ጥራዝ ኣትዩ ዘሎ ጥቕስታት፣ ብማሕበር መፅሓፍ ቅዱስ ኢት ዮጵያ ኣብ 2007 ዓ.ም ካብ ዝተሐተመ – መፅሓፍ ቅዱስ ብናይ ትግራይ ትግርኛ ዝተወስደ'ዩ።

ስእሊ ካርቱን ብ ኣልፍሬድ ሉተር

ናይ ምስጋና ፀሎት ኦ ክቡር እግዚኣብሄር፣ ኣቦይ ኢለ ክፅውዓካ ስለዝኽእል የመስግነካ ኣለኹ። ኢየሱስ ክርስቶስ ብሰንኪ ሓጢኣተይ ንኽመውትን ካብ ኵሉ ኣበሳይ ከድሕነኒ ስለዝልኣኽካዮ ንዘለኣለም ምስጋና ንዓኻ ይኹን። ስለ ትሓልየለይን ስለተፍቅረኒን የመስገነካ ኣለኹ። ንዓኻ ንምፍላጡ ዘፀግመካ ንእሹተይ ነገርን ንምፍታሕ ድማ ዘፀግመካ ዓቢዪ ሽግርን የለን። ብዛዕባ ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ዘለዋ ኵለን ዘደንቓ ኪዳንካ የመስግነካ ኣለኹ። መንፈስ ቅዱስ ኵልሻዕ ምሳይ ንክኸውንን ኣብ መዓልታዊ ህይወተይ ከፀናንዓኒን ክመርሓኒን ይፅልይ ኣለኹ። ብኣኻ ብምእማነይ ኣብ ልበይ ስለ ዘተቐመጠ ሓጐስን ሰላምን ተመስገን። አሜን።


ምስጢር

ሓቀኛ ህይወት

ብዛዕባ መፅሓፍ ቅዱስን እግዚኣብሄር ንዓኻ ዘለዎ ሰናይ ሓሳብን ብግቡእ ንኽትፈልጥ ድልየት እንተሃልዩካ/ኪ ብኽብረትካ/ኪ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ፎርም ምላእ/ምልኢ።

ብዛዕባ መፅሓፍ ቅዱስን እግዚኣብሄር ንዓይ ዘለዎ ሰናይ ሓሳብን ብግቡእ ንኽፈልጥ ድልየት ኣለኒ።

4 ንምርጫኻ በዚ ዓይነት ምልክት ግለፆ፡ ትምህርቲ መፅሓፍ ቅዱስ ብተልእኾ ክምሃር ድልየት ኣለኒ። መንገዲ ክርስትና ብግቡእ ክፈልጥ ድልየት ኣለኒ ነዚ ድማ ዝሕግዘኒ ሰብ ይደሊ። ናይ ሓዱሽ ኪዳን መፅሓፍ ቅዱስ ክረክብ ድልየት ኣለኒ። ስመይን ኣድራሻይን፡ ስም

!

ኣድራሻ ፖ.ሳ. ቍ

ቍ. ስልኪ


መልሲ ሕቶታት ህይወት ምድላይ?

ምስጢር

ሓቀኛ ህይወት

ብዛዕባ መፃኢኻ እርግፀኛ ዲኻ?

ምስጢር

ንኹሉ ነገር፣ ብፀሎትን ልመናን ንእግዚኣብሄር ኣቕርቡ እምበር፣ ብሓደኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ምስትውዓል ንላዕሊ ዝኾነ፣ ሰላም እግዚኣብሄር ድማ፣ ንልብኹምን ሓሳብኩምን፣ ብክርስቶስ ኢየሱስ ክሕልዎ እዩ። ፊልጵስዩስ 4፡6-7

ሓቀኛ ህይወት

ናይ ሓቂ ሰላም ከመይ ይረክብ?

ዝኸበዳካ ዓቢ ፆር ኣሎ ዶ?

Profile for MediaServe

The Secret of True Life / Tigrigna  

Searching for answers to life and your destiny? Here they are, drawn from the Word of God.

The Secret of True Life / Tigrigna  

Searching for answers to life and your destiny? Here they are, drawn from the Word of God.

Advertisement