9789177234401

Page 1

ሲላ ዳሌንን ኣነሊ ድረቭሰንን

ኣስትሪድ ሊን ድግረን ሓንቲ ህይወት VILJA


ኣሕተምቲ ቪልያ info@viljaforlag.se www.viljaforlag.se ኣርእስቲ፡ ኣስትሪድ ሊንድግረን - ሓደ ህይወት ፋልማይ ኣርእስቲ: Astrid Lindgren – Ett liv ደረስቲ፡ ሲላ ዳሌንን ኣነሊ ድረቭሰንን ትርጉም፡ ምንያ ጸጋይ Översatt till tigrinska av Minya Tseggay ገበርን ለይኣውትን ኤቫ ኣንደርሰን ስእሊ ገበር፡ ቤት ጽሕፈት ስእሊ DPA/IBL ©2017 Cilla Dalén & Annelie Drewsen och Vilja förlag ቀዳማይ ሕታም 2018 ብዝሒ ገጽ፡ 62 ISBN 978-91-7723-440-1 እቶም ካልኦት ስእልታት: s. 5: Vimmerby kommuns bildarkiv, s. 7: Astrid Lindgrens Näs, s. 8: Astrid Lindgrens familjealbum (Gyldendal, 2011), s. 11: Astrid Lindgrens liv i billeder (Gyldendal, 2011), s. 13: okänd, s. 15: Nordisk familjebok (1917), s. 17: okänd/TT, s. 21: Astrid Lindgrens liv i billeder (Gyldendal, 2011), s. 23: Saltkråkan AB, s. 27: Jacob Forsell/TT, s. 31: IBL Collections/IBL Bildbyrå, s. 33: RT/IBL Bildbyrå, s. 35: imago stock, s. 37: okänd, s. 39: DPA/IBL Bildbyrå, s. 41: Jens Assur/XP/Scanpix, s. 45: Charles Hammarsten/IBL Bildbyrå, s. 47: Jacob Forsell/ TT, s. 49: Hermann/Pixabay, s. 53: Stefan Tell, s. 55: Paolo Bona/Shutterstock


ኣስትሪድ ሊን ድግረን ሓደ ህይወት ሲላ ዳሌንን ኣነሊ ድረቭሰንን ትርጉም ትግርኛ፡ ምንያ ጸጋይ

VILJA


ትሕዝቶ ናይ ዓለም ዝበለጸት ኣስትሪድ........................... 4 ህይወት ኣብ ደንበ ሓረስታይ............................ 6 ኣስትሪድ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ................. 9 ስራሕ ኣብ ጋዜጣ ቪመርቢ............................ 12 ኣስትሪድ ነፍሰ-ጾር ትኸውን........................... 14 ኣብ ስቶክሆልም ንብሕታን ድኻን..................... 16 ኣስትሪድን ስቱረን ይመራዓዉ......................... 19 ኣደ ክልተ ቈልዑን ምስጢራዊ ዝያዳ ስራሕን....... 20 መዓልታዊ መዝገብ ውግእ............................. 23 ፒፒ ሎንግስትሩምፕ.................................... 26 ናይ ሓቂ ደራሲት....................................... 29 መርማር-ገበን ብሉምክቪስት........................... 30 ሚዮ፡ ናተይ ሚዮ...................................... 31 ካርልሶን ኣብ ናሕሲ.................................... 32 ራስሙስ ኣብ ኵብለላ................................... 32 ኤሚል ኣብ ሎነበርያ................................... 33 ኣሕዋት ልበ-ኣንበሳ..................................... 34 ሮንያ ጓል ዘማቲ......................................... 34


ኣራታዒት ኣብ ኣሕተምቲ............................. 36 ህብብትን ፍትውትን.................................... 38 ኣብ ኣገደስቲ ሕቶታት ዝተጸምደት................... 40 ህይወት ምስ ስቱረን ብዘይብኡን...................... 43 ኣስትሪድ ትኣርግ........................................ 46 ሞትን ቀብርን............................................ 48 ዓለም ምሉእ መጻሕፍቲ ኣስትሪድ ይነብብ........... 50 ብልጫ ኣልማ........................................... 52 ዝያዳ ክትፈልጡዶ ትደልዩ?.......................... 54 ኣገደስቲ ዓመተ ምሕረታት ኣብ ህይወት ኣስትሪድ.57 ምንጭታት............................................... 60


ናይ ዓለም ዝበለጸት ኣስትሪድ ኣስትሪድ ሊንድግረን ሓንቲ ካብ’ቶም ህቡባት ደረስቲ ኣብ ሽወደን’ያ። ዳርጋ ኵሎም ሽወደናውያን መን ምዃና ይፈልጡ። መጻሕፍታ ነቢቦም፡ ፊልምታትን ቲቪ ፕሮግራምን ተዓዚቦም፡ ኣስትሪድ ዝፈጠረቶም መግለጺታትን ቃላትን ከኣ ይጥቀሙ። ኣስትሪድ ሊንድግረን ኣብ ህይወታ ብዙሓት መጻሕፍቲ ጽሒፋ ኢያ። ናብ ልዕሊ 100 ዝዀና ቋንቋታት ከኣ ተተርጒሞም ኢዮም። ብዙሓት ካብ’ቶም መጻሕፍቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ህቡባት ኰይኖም ኢዮም። እቶም ኣዝዮም ህቡባት ዝዀኑ ድማ መጽሓፍ ብዛዕባ ፒፒ ሎንግስትሩምፕ ኰይኖም፡ ናብ 70 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ተተርጒሞም ይርከቡ። 6 ሚልዮን ሕታማት ከኣ ተሸይጡ። እቶም ካልኦት ፍሉጣት መጻሕፍቲ ከኣ ካርልሶን ኣብ ናሕሲ፡ ኤሚል ኣብ ሎነበርያን ሮንያ ጓል ዘራ’ፍን ኢዮም። ብዘይካ መጻሕፍቲ፡ መዛሙር፡ ፊልምታት ቤተ-መዘክርን ናይ ኣስትሪድ ሊንድግረን ምስልታት ተዋሳእቲ ዘሎዎ መናፈሻን ኣሎ። ኣስትሪድ ሊንድግረ፡ ህይወታ ምሉእ ሓንቲ ተሳሓቒት ሰብ’ያ ነይራ። ኵሉ ግዜ ንመሰል ቈልዑ ደው ምስ በለትን ዚመስላ ክትዛረብ ዘይትፈርሕን ኢያ ነይራ። ብዙሓት ይሰምዕዋ ነይሮም። ለባምን ሕያወይትን ነይራ ከኣ ይብሉ። 4


ኣስትሪድ ሊንድግረን ኣብ መደያይቦ ናይ ቤት ቍልዕነታ ኣብ ነስ ስሞላንድ፡

ኣስትሪድ ሊንድግረን፡ ነቲ ንደረስቲ መጻሕፍቲ ቈልዑ ዚውሃብ ብልጫ ስም ሂባቶ’ያ። ብልጫ ስነ-ጽሑፍ ንመዘከርታ ኣስትሪድ ሊንድግረን ይብሃል። ግን ብብልጫ ኣልማ(ALMA) ኢዩ ዚጽዋዕ። ኣልማ፡ ቃለ-ኣሕጽሮ ናይ ኣስትሪድ ሊንድግረን መዘከርታ ሽልማት ኢዩ። (Astrid Lindgren Memorial Award) 5


ህይወት ኣብ ደንበ ሓረስታይ ኣስትሪድ ብ14 ሕዳር 1907 ኣብ ሓንቲ ጸዓዱ ኵርናዓት ዘለዉዋ ቀያሕ ገዛን በግራብ ቱፋሕ ዝተመልአ ስፍራ ኣትክልትን ተወልደት። እታ ገዛ ጥቓ እታ ኣብ ዞባ ስሞላንድ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ቪመርቢ፡ ኣብ ደንበ ሓረስታይ ነስ ትርከብ ነበረት። ኣስትሪድ ብቘልዓኣ ኤሪክሶን ዚብል ስም ስድራ ነበራ። ኣቦኣ ሳሙኤል ኣውጉስት ኤሪክሶን ይብሃል ነበረ። ኣደኣ ድማ ሃና ኤሪክሶን ትብሃል ነበረት። ኣርባዕተ ደቂ ወለዱ። ኣስትሪድ ጉናር ዚብሃል ዓቢ ሓውን ክልተ ስቲናን ኢንገገርድን ዚብሃላ ነኣሽቱ ኣሓትን ነበርዋ። ወለዳ ኣብ ግራቶም ዚሰርሑ ሓረስቶት ነበሩ። ዚሕግዝዎም ኣብቲ ደንበ ዚቕመጡን ዚሰርሑን ከደምትን ዕሱባት ሓረስቶትን ነበርዎም። ኣደ ኣቦኣን ኣቦ ኣቦኣን ንኣስትሪድ’ውን ኣብ ነስ ይቕመጡ ነበሩ። ሓደ ሓደ እዋን ኰብለልቲ ኣብቲ ስፍራ ኣሕሳር ይሓድሩ ነበሩ። ኣስትሪድ ንጽውጽዋያቶም ክትሰምዕ ትፈትው ነበረት።

ኰብለልቲ ካብ ቦታ ናብ ቦታ እናዞሩ ዚልምኑ ወይ ዝረኸብዎ ስራሕ ተቐቢሎም ዚሰርሑ ሰባት’ዮም። መብዛሕትኡ ግዜ ቤት ዘይብሎም ኣብ ደገ ዚሓድሩ ወይ ኣብ እንዳ ኣሕሳር፡ ማለት ኣሕሳር ዚቕመጦ መሕደር ከብቲ።

6


ቤት ቍልዕነት ኣስትሪድ ኣብ ነስ

ኣስትሪድን ኣሕዋታን ብሓባር ሓደ ሕጉስ ህይወት ነይሩዎም። ኣስትሪድ ኣብ ኦም ክትሓኵርን ኵዕሶ እግሪ ክትጻወትን ትፈቱ ነይራ። ኣብ ውሽጢ ቤት “ምድሪቤት ከይትትንክፍ” ዚብል ጸወታ ይጻወቱ ነይሮም። ሽዑ፡ምድሪቤት ከይተንከፉ፡ ኣብ’ቲ ኣቕሑ ቤት ይዘሉ። ኣስትሪድ፡ ጽውጽዋይ ምስማዕ’ውን ትፈትው ነይራ። ኣስትሪድን ኣሕዋታን ብዙሕ ነጻነት ነይሩዎም። ግን ከኣ ኣብ ስራሓት እቲ ደንበ ኪሕግዙ ነይሩዎም። ኣብኡ፡ንሳቶም ኪኣልይዎም ዘሎዎም፡ ኣፍራስ፡ ኣሓ፡ ሓሰማታት፡ ኣባጊዕን ደራሁን ነበሩ። ካብ’ቶም እንስሳታት፡ ጸባ፡ ጠስሚ፡ስጋን እንቋቍሖን ይረኽቡ ነበሩ። ሳሙኤል ኣውጉስት፡ ንበዓልቲ ቤቱ፡ ሃና ብዙሕ የፍቅራን ፍቕሩ መብዛሕትኡ ግዜ የርእያን ነበረ። እዚ፡ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ኣብ መንጎ እቶም ሓረስቶት ናይ ስሞላንድ ልሙድ ኣይነበረን። ሃና፡ ሽዱሽተ ዓመት ጥራይ’ያ ተማሂራ ግን ከተዘንቱ ንፍዕቲ ነይራ። ብዙሕ ደብዳበታትን ግጥምታትን ከኣ ጽሒፋ ኢያ። 7


ስእሊ ስድራ ኣብ መወዳእታ ናይ 1910 ካብ ጸጋም፡ ኣቦ ሳሙኤል ኣውጉስት፡ ንእሽቶ ሓውቲ ኢንየየርድ፡ኣስትሪድ፡ ንእሽቶ ሓውቲ ስቲና፡ ዓቢ ሓው ጉናር፡ ማማ ሃናን።

እቶም ናይ’ቲ ስድራ ኣርባዕተ ቈልዑ ምስ ዓበዩ፡ ኵሎም ብቋንቋን ቃላትን ኢዮም ሰሪሖም። ጉናር ኣባል ባይቶ ኰይኑ፡ መጻሕፍቲ’ውን ደሪሱ። ኣስትሪድ ደራሲት፡ ስቲና ተርጓሚት፡ ኢንየየርድ ከኣ ጋዜጠኛ ከይኖም። “ጕዳማት ቈልዑ ኢየ ወሊደ። ኵሎም ብቓላት ጥራይ’ዮም ዚሰርሑ፡” በለ ሳሙኤል ኣውጉስት። ኣስትሪድ ሊንድግረን ከም ቈልዓ ሕጕስቲ ኢያ ነይራ። ዝኽርታት ካብ ቍልዕነታ ኣብ ቪመርቢ መጻሕፍታ ክትደርስ ከላ ተጠቒማትሉ’ያ። ኣብ’ቲ መጻሕፍቲ፡ ካብ’ቲ ኣብ ደንበ ሓረስታይ ዝነበረ ህይወት፡ ሰባት፡ ጸወታታት ቦታታት ይርከብዎ። 8


ኣስትሪድ ናብ ቤት ትምህርቲ ትኸይድ ኣስትሪድ፡ ጓል 7 ዓመት ምስ ኰነት ትምህርቲ ጀሚራ። እተን ቀዳሞት መዓልታት ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ኣደኣ ከይዳ። ናብ’ቲ ኣብ ቪመርብይ ዚርከብ ቤት ትምህርቲ ክትከይድ 15 ደቓይቕ ይወስድ። ኣብ’ቲ ክፍሊ፡ ኣነ ማሪ እትብሃል ግን ብማዲከን እትጽዋዕ ጓል ነይራ። ኣስትሪድን ማዲከንን መሓዙት ኰና። ንሳተን ተጻዊተን ተቓሊሰን ኣብ ገረብ ከኣ ሓዅረን። እቶም ቈልዑ ኣብ ቤት ትምህርቲ ምሳሕ ኣይውሃቦምን’ዩ ነይሩ። ባዕላቶም’ዮም ምሳሕ ሒዞም ዝመጹ ነይሮም። ኣስትሪድ ባኒ ምስ ሓሰማን ጥርሙዝ ጸባን ሒዛ ትመጽእ ነይራ። ገለ ቈልዑ ድኻታት ስለ ዝነበሩ፡ ድንሽን ማይን ጥራይ ሒዞም ይመጹ ነይሮም። እታ መምህር ነቶም ደቂ ርኹባት ዝያዳ ሕያወይቲ ነበረት። ስድራቤት ኣስትሪድ ጽቡቕ’ዮም ነይሮም። መምህር ከኣ ንኣስትሪድ ሕያወይቲ ነበረት። ኣስትሪድ ግን እታ መምህር ዘይፍትሓዊት’ያ ትብል ነበረት። ኣብ ሳልሳይ ክፍሊ፡ ካልእ መምህር መጸት። እቶም ቈልዑ ብዙሕ ፈተውዋ። ሓደ ሓደ ግዜ፡ ኣስትሪድን ማዲከንን ናብ ቤት እታ መምህር ኣብ ቪመርቢ ይኸዳ ነበራ። ኣብኡ ኣብ’ቲ ናሕሲ ደይበን ንምልእቲ እታ ከተማ ክርእያ ይኽእላ ነበራ። 9


ኣስትሪድ ኣብ ምጽሓፍ ንፍዕቲ ነይራ። ጽቡቕ ወረቐት ምስክር ከኣ ነይሩዋ። እታ መምህር፡ ኣስትሪድ እትጽሕፎ ኵሉ፡ ነቲ ክፍሊ ትነበሉ ነበረት። ኣስትሪድ ጓል 13 ዓመት ከላ፡ ጋዜጣ ቪመርቢ ዝሓተሞ ሓደ ድርሰት ጸሓፈት። “ኣብ ደንበና” ይብሃል ነበረ። ኣስትሪድ ደራሲት ክትከውን’ያ ዚብሉ ብዙሓት ነይሮም። ነዚ ምስ ሰምዐት ብዙሕ ፈርሐት’ሞ ደራሲት ንኸይትኸውን ወሰነት። “ዋላ’ኳ ምጽሓፍ ዜሐጕስ ምዃኑ እንተተሰመዐኒ፡ ክፍትን ግን ኣይደፈርኩን፡” ኢላ ዳሕራይ ኣስትሪድ ጸሓፈት።

10


ኣስትሪድ (ብየማን) ምስ ንእሽቶ ሓውታ ስቲናን ዓቢ ሓዋ ጉናርን። 11


ስራሕ ኣብ ጋዜጣ ቪመርቢ ኣስትሪድ፡ ህይወት ንእስነት ከም’ቲ ናይ ቍልዕነት መሐጐሲ ኣይኰነን ትብል። መልክዓ ክፍእቲ ይመስላ ነበረ። መብዛሕትኡ ግዜ ከኣ ትቓዝን ነበረት። ኬፍቅራ ዚኽእል ሰብ ዘሎ ኰይኑ ኣይስማዓን ነበረ። ኣስትሪድ ሓያለይ ግሩማት መሓዙት ነይሮማ። ንደገ ኪወጹ፡ ኪስዕስዑን ንሲነማ ኪኸዱን ጀመሩ። ሓደ መዓልቲ፡ ኣስትሪድ ነቲ ነዊሕ ጸጕራ ቈረጸቶ። ኣዋልድ ሓጺር ጸጕሪ ኪህልወን ልሙድ ኣይነበረን ስድራኣ’ውን ኣይተሓጐሱን። ኣስትሪድ ግን ኣብ ልዕሊ ህይወታ ባዕላ ክትውስን ደለየት። ሓደ ሓደ እዋን ስረን ጁባን ክራቫታን ትወዲ ነበረት። ንሱ’ውን በቲ ግዜ’ቲ ኣብ ኣዋልድ ልሙድ ኣይነበረን። ብ1923፡ ኣስትሪድ ጽቡቕ ወረቐት ምስክር ሒዛ ትምህርቲ ወደአት። ድሕሪ ሓደ ዓመት፡ ከም ተመሃሪት ኰይና ኣብ ጋዜጣ ቪመርቢ ስራሕ ጀመረት። ኣብኡ ከም ጋዜጠኛ ኴንካ ምስራሕ ተማህረት። ኣብ’ቲ ጋዜጣ፡ ዓንቀጻትን መመልከቲታትን ትጽሕፍ ነበረት። ካልእ ነገራት’ውን፡ ከም ስልኪ ምምላስ፡ ናብ ከተማ ኬድካ ከኣ ካልእ ስራሓት ተሳልጥን ነበረት። 12


ስእሊ ጐርዞ ኣስትሪድ

ኣብ’ቲ እዋን’ቲ፡ ጋዜጠኛታት ዝዀና ኣንስቲ ብዙሓት ኣይነበራን። ግን እቲ ናይ ጋዜጣ ቪመርብይ ሓለቓ ኣራታዒ ዝነበረ፡ ረይንሆልድ ብሉምበሪ፡ ኣስትሪድ ብምጽሓፍ ንፍዕቲ ከም ዝዀነት ይርዳእ ነበረ። እቲ ንሳ ቕድሚ ገለ ዓመታት ዝጸሓፈቶ ድርሰት ኣብ ጋዜጣ ኪሰፍር ዝወሰነ ንሱ’ዩ ነይሩ፡ ኣስትሪድ፡ ኣብ ስሞላንድ ዘጋጠመ ኵሉ ጸሓፈት። ኣብ ክረምቲ 1925 ምስ ሓሙሽተ መሓዙታ ወጺአን ጕዕዞ ኣካየዳ። ኣብ መንጎ 10 መዓልታት 300 ኪሎመተር ኣብ ዞባ ስሞላንድን ኦስተርዮትላንድን ተጐዓዛ። ጽዕነተን ኣብ ዓበይቲ ሳንጣ ሕቘ፡ መደቀሲአን ከኣ ኣብ ቴንዳ ነበረ። ኣስትሪድ፡ ብዛዕባ እዚ ጕዕዞ’ዚ ሰለስተ ዓንቀጻት ኣብ ጋዜጣ ጸሓፈት። ”ኣብ ኵብለላ” ኢላ ከኣ ጸውዐቶም።

13


ኣስትሪድ ነፍሰ-ጾር ትኸውን ሓለቓ ኣስትሪድ፡ ረይንሆልድ ብሉምበሪ፡ ወዲ 50 ዓመት፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ ሸውዓተ ቈልዑን’ዩ ነይሩ። ግን ምስ ኣስትሪድ ፍቕሪ ሓዞ’ሞ ብሕቡእ ኪራኸቡ ጀመሩ። ኣብ ኣየት 1926 ኣስትሪድ ጠነሰት። ኣቦ ውላዳ ረይንሆልድ ኢዩ ነይሩ። ረይንሆልድን በዓልቲ ቤቱን ምተፋትሑ ነይሮም። ንሱ ከኣ ንኣስትሪድ ኪምርዓዋ ደለየ ንሳ ግን ኣይፋልን ኢላቶ። ወለዳ’ውን እንተዀነ ክትምርዓዎ ኣይደለዩን። ” ሓደ ሓደጋ ይኣክል!” በለ ኣቦኣ። ኣስትሪድ ጓል 18 ዓመት ኢያ ነይራ። ህዝቢ ቪመርቢ፡ ከም ዝጠነሰት እንተደኣ ርእዮማ ከም ዚሓምዩዋ ፈለጠት። በዚ ምኽንያት ከኣ ናብ ስቶክሆልም ገዓዘት። ኣብኡ ናይ ሰክረተሪ ትምህርቲ ወሰደት። ሓጺር ጽሕፈት ከኣ ተማህረት።

ሰክረታሪ፡ ንኻልእ ሰብ ኣብ ምጽሓፍን፡ ወረቕቕቲ ኣብ ምትዕርራይን ካልእ ስራሓት ቤት ጽሕፈትን ትሕግዝ። ሓጺር ጽሕፈት ሓደ ፍሉይ ኣዝዩ ቅልጡፍ ኣጸሓሕፋ ብርሳስ ኣብ ወረቐት ኢዩ። (ስእሊ ተመልከት)

14


ኣብ መወዳእታ እታ ዓመት፡ ኣስትሪድ እትወልደሉ መዓልቲ ኣኸለ። ናብ ኮፐንሃገን፡ ደንማርክ ከደት። ኣብኡ ኣቦ እቲ ቈልዓ መን ምዃኑ ከይነገረት ክትወልዶ ትኽእል ነይራ። ዘይተመርዓዋ ኣንስቲ ከምኡ ኪገብራ ዳርጋ ልሙድ’ዩ ነይሩ። ኣስትሪድ ኣብ ሕዳር 1926፡ ናብ ኮፐንሃገን ክትመጽእ ከላ ልክዕ 19 መሊኣ ነይራ። ምስ ሓንቲ ማሪ ስቲቨንስ እትብሃል ሰበይቲ ትቕመጥ ነበረት። ኣብ 4 ታሕሳስ 1926፡ ኣስትሪድ ሓደ ወዲ ወለደት። ላሽ ዚብል ስም ከኣ ተዋህቦ ግን ኩሉ ሰብ ላሰ ኢሉ ይጽውዖ ነበረ። ኣስትሪድ ምስ ላሰ ክሳዕ 23 ታሕሳስ ኣብ ደንማርክ ጸንሐት። ብድሕሪኡ በዓል ልደት ከተኽብር ናብ ቤታን ስድራኣን ናብ ነስ ከደት። ላሰ ኣብ ደንማርክ ተረፈ። ማሪ ከኣ ከም ኣደ መዕበዪቱ ኰነት።

ሓጺር ጽሕፈት 15


Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.