9789175676951

Page 1

ሸስቲን ሉንደበሪ ሃን

መምህር መንፈስ

ኤባ፡ ኢቫርን እቶም ኣብ’ቲ ክፍሊ ዘለዉ ካልኦትን ኣብ እታ መተካእታ መምህሮም ገለ ፍልይ ዝበለ ነገር ከምዘሎ ተዓዘቡ። መምህር ስፓረ ኣዝያ ነዋሕን ቀጣንን ኢያ። ከም በረድ ዚቘርር ኣእዳው ከኣ ኣሎዋ። ከምኡ’ውን ጸሓይ ኣይትፈቱን። ሓሳብካ ከተንብብ ትኽእል ከኣ ትምስል።

መምህር መንፈስ

ሸስቲን ሉንደበሪ ሃን

Nypon förlag – en för alla – möjlighet ተኽእሎ ንዅሉ


ኢቫር

ኤባ

መምህር ስፓረ


ሩት

ሓሰን

ሓለቓ ቤት ትምህርቲ


ኣርእስቲ፡ መምህር መንፈስ ፋልማይ ኣርእስቲ: Fröken Spöke ደራሲት፡ ሸሽቲን ሉንድበሪ ሃን ሰኣሊት፡ ኦሳ ሩሴን © Kerstin Lundberg Hahn, Åsa Rosén, Nypon förlag ትርጉም፡ ምንያ ጸጋይ 2016 ቀዳማይ ሕታም፡ 2016 ብዝሒ ገጽ፡ 52 ISBN 978-91-7567-695-1 ኣሕተምቲ ኒፖን - ተኽእሎ ንዅሉ info@nyponforlag.se www.nyponforlag.se


ሸሽቲን ሉንድበሪ ሃን

መምህር መንፈስ

ሰኣሊት፡ ኦሳ ሩሰን

ትርጉም: ብምንያ ጸጋይ

Nypon förlag


ን S ቅድሚ ገለ ዓመታት ብቐሊል ቋንቋ መጽሓፍ ክጽሕፍ ንዝሓተተኒ። ደጊምሲ ተወዲኣ!


1 ኤባን ኢቫርን ኢቫር ኣብ ክሽነ ኮፍ ኢሉ ነበረ። ቍርሲ በሊዑ ጭራቕ ስኢሉ። ኢቫር ምስኣል ይፈቱ ነበረ። በቲ ካልእ ወገን ናይ’ቲ ጠረጴዛ ሓውቱ ኤባ ኮፍ ኢላ ነበረት። ብመስኮት ንደገ ትርኢ ነበረት። ኣብ ደገ ጸልማት ነበረ። ብጫ ኣቝጽልቲ ንፋስ ይወስዶም ነበረ። – ሰዓት ሾብዓተን ፈረቓን ኮይኑ’ዩ፡ በለ ኣቦኦም። ናብ ቤት ትምህርቲ ክትከዱ ኣሎኩም። – እም፡ በለ ኢቫር። ግን ኣይሰምዐን። – እም፡ በለት ኤባ፡ ንሳ’ውን ኣይሰምዐትን።

3


– ማናቱ ምዃንኩም ይርአ፡ ኢሉ ኣቦ ፍሽኽ በለ። ሓደ ዝዓይነትኩም ዕደታት፡ ማዕረ ከኣ ጽቡቓት። ቀልጥፉ ሕጂ! ኤባን ኢቫርን ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ ተበገሱ፡ ኣቦኦም፡ – ካብ’ቶም ኣብ መናፈሲ ዘለዉ መናፍስቲ ተጠንቀቑ በሎም። – ስቕ በል፡ ኣቦይ በለ ኢቫር። – ኣቦይ፡ ስቕ እንዶ በል፡ በለት ኤባ። ናብ’ቲ መናፈሲ ምስ በጽሑ ጸልማት ነበረ። – ኤባ፡ መናፍስቲ ትኣምን ዲኻ? ኢላ ሓተተት። – ኣይፋልን፡ በለ ኢቫር። – ኣነ’ውን፡ በለት ኤባ። – ግን ኣይፍለጥን’ዩ፡ በለ ኢቫር – ሕሰብ’ሞ መናፍስቲ እንተሃለዉኸ፡ በለት ኤባ። ነቲ መናፈሲ ብጕያ ሽው ኢሎም ሓለፍዎ። 4


2 መተካእታ መምህር ኤባን ኢቫርን ናብ ቤት ትምህርቲ ምስ በጽሑ፡ ድሮ እቶም ካልኦት ተመሃሮ ኣብ ክፍሊ ኮፍ ኢሎም ነበሩ። መምህሮም ኣብኡ ኣይነበረትን። ግን እቲ ማዕጾ ተኸፍተ፡ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ ከኣ ኣተወ። – ሰላም፡ ኣነ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ’የ በለ። – ንፈልጥ፡ በሉ ኵሎም። – መምህርኩም ሓሚማ ኣላ። መተካእታ መምህር ክትመጸኩም ኢያ፡ በለ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ። ኵሎም ሕሽዅሽዅ ኪብሉ ጀመሩ። ገለ ከኣ ሰሓቑ። እታ መተካእታ መምህር ናብ’ቲ ክፍሊ ምስ ኣተወት ግን፡ ኵሎም ስቕ በሉ።

5


– እዚኣ መምህር ስፓረ ኢያ። ንሓደ ወርሒ ምሉእ መምህርኩም ክትከውን ኢያ። ሕያዎት ኵኑ ኢኹም፡ በለ እቲ ሓለቓ ቤት ትምህርቲ። ኤባ ጠመተት። ኢቫር ጠመተ። ኵሎም ጠመቱ። መምህር ስፓረ ኣዝያ ነዋሕን ቀጣንን ነበረት። ጸሊም ነዊሕ ጸጕርን ሓደ ጸሊም ነዊሕ ክዳንን ነበራ። ገጻ ጻዕዳ ነበረ። – ኣብ ጸሓይ ወጺኣ ኣይትፈልጥን ዶ’ያ? ኢላ ኤባ ንኢቫር ሕሽዅ በለቶ። መምህር ስፓረ ፍሽኽ በለት። – ኣይፋልን ኤባ። ኣነ ጸሓይ ኣይፈቱን’የ፡ በለት። ኤባ ሰቕ በለት። – ስመይ ኤባ ምዃኑ ከመይ ጌርኪ ፈሊጥኪ?

6


7


– ኣነ ካብ’ቲ ንስኻትኩም እትግምቱዎ ንላዕሊ ኢየ ዝፈልጥ፡ በለት መምህር ስፓረ፡ ፍሽኽ ከኣ በለት። ቀስ እናበለት ነቲ ክፍሊ ኰለለቶ። ንዅሎም ከኣ ረአየቶም።

8


Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.