9789175679884

Page 1

ሞርተን መሊን

ምሒ ር ኣፍቂረ

ሞንስ ኤማ


ኣሕተምቲ ኒፖን - ተኽእሎ ንዅሉ info@nyponforlag.se www.nyponforlag.se ኣርእስቲ፡ ምሒ ር ኣፍቂረ ፋልማይ ኣርእስቲ፡ Så sjukt kär ደራሲ፡ ሞርተን መሊን ስእሊ፡ ሄለና በርየንዳል ©2010 Mårten Melin, Helena Bergendahl och Nypon förlag ትርጉም ትግርኛ፡ ምንያ ጸጋይ Översatt till tigrinska av Minya Tseggay ቀዳማይ ሕታም፡ ሓሙሻይ ቅዳሕ 2018 ብዝሒ ገጽ፡ 20 ISBN 978-91-7567-988-4


ሞርተን መሊን

ምሒ ር ኣፍቂረ ሰኣሊት፡ ሄለና በርየንዳል

ትርጉም ትግርኛ፡ ምንያ ጸጋይ

Nypon förlag



ደፊርካ ምሕታት

ፍቕሪ ካብ ዚሕዘኒ ነዊሕ ኰይኑ። ምስ ጓል ክፍለይ ዝዀነት ኤማ። ጽብቕቲ’ያ። ሕያወይቲ ከኣ። ሎሚ መዓልቲ ክሓታ’የ።

ናብ ሲነማዶ ክትከዲ ምደለኺ? ምሳይ?

ልክዕ ከምኡ ኢለ ክሓታ’የ። ሎሚ ናብ ቤት ትምህርቲ እንተደኣ መጺኣ። ክዕድማ ኢየ። ገንዘብ ኣዋህሊለ ኣለኹ። ንካራሜለ’ውን ይኣክል’ዩ። ኤማ፡ ዝሓለፈ ሰሙን ሓሚማ ኢያ ነይራ። ትስዕል ነይራ። ጉንፋዕ ከኣ ሒዙዋ ነይሩ። ሕጂ ግን ብርግጽ ሓውያ ኢያ። ሕጂ ትመጽእ ኣላ! ምስ ኣልማ! ይሓግዝ! 3


– እወ ኤማ? እሓትት፡። ናባይ ገጻ ትጥወ። ኣልማ’ውን ከምኡ። ኣፈይ ፈጺሙ ይነቅጽ። ኤማ ትርእየኒ። ኣነ’ውን እርእያ። ኣልማ’ውን ትርእየኒ። ገለ ነገር ክብል ኣሎኒ። እንተዘየሎ ኤማ ዓሻ’ዩ ኢላ ክትግምተኒ’ያ። ኣልማ’ውን ከምኡ። ንኤማ ኣብ ዓይና ክርእያ ኣይደፈርኩን። ንጸጕራ ጠሚተዮ። ነቲ ጽቡቕን ነዊሕን ጸጕራ። – ጽቡቕ ጸጕሪ ኣሎኪ! ግን! ኣነ ዶ ኢየ ከምኡ ኢለ? ዜሕፍር’ዩ! ኣልማ ኣዒንታ ፈረጥረጥ ተብሎ። ኤማ ግን ሕጕስቲ ትመስል። – የቐንየለይ! –ሕጂ ንዕናይ ኤማ! ትብል ኣልማ። 4


5


ኤማ ደድሕሪኣ ትስዕብ። ግን ንድሕሪት ተጠውያ ትጥምተኒ። ኣብ ዕረፍቲ ኣነ ናብ ኤማ ገጸይ እኸይድ። ኣልማ ምስኣ ኣይነበረትን። ኤማ ፍሽኽ ትብል። ኣነ ከኣ አተንፍስ። – ዓርቢዶ ንሲነማ ምኸድኺ? ምሳይ? ኢለ ሓተትኩ። ደፊረ! ደፊረ! ግን እንታይ ኮን’ያ ክትምልስ? – እወ ደስ እናበለኒ! ኢላ መለሰት። ኤማ እወ ኢላ መሊሳ! እወ! ምስ ኤማ ናብ ሲነማ ክኸይድ’የ! ዓርቢ! ዕልል..ልል!

6


ኣዝዩ ግናይ

ዝተረፈ ናይ’ቲ ሰሙን ኣዝየ ሕጉስ ነይረ። ብዛዕባ ኤማ ጥራይ ሓሲበ። ናብ ሲነማ ክንከይድ ምዃንና። ኣነን ኤማን ብዙሕ ኣይተበሃሃልናን። ግን ፍሽኽ ንበሃሃል። ሕሰብ’ሞ፡ ኢለ እሓስብ። ኤማ’ውን ምሳይ ፍቕሪ ሒዙዋ እንተ ዀይኑ። ፍሽኽ ትብል ዘላ’ኮ ብእኡ ኪኸውን ይኽእል’ዩ። ብእኡ’ውን ይኸውን ሕራይ ዝበለት። ምናልባትዶ ዓርቢ ክሓታ? ኣብ’ቲ ጸልማት፡ ኣብ ሲነማ?

ተፍቅርኒዶ ኢኺ? ኣነ ብዙሕ ኣፍቂረኪ ኣለኹ።

ልክዕ ከምኡ ክብል’የ። እንተደኣ ደፊረ። 7


Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.