Hadas Eritrea 1-4-2022 to 30-4-2022

Page 1

መበል 31 ዓመት ቁ 183

ዓርቢ 1 ሚያዝያ 2022

ገጻት 8 ዋጋ 2.00 ናቕፋ

ገጽ 2

ገጽ 3

ገጽ 4

ገጽ 5

ገጽ 7

ፖታሽዩም - ንምምዕርራይ ፈሳሲ ኣካላት . . .

ሰብን ተመንን

መዝገበ-ቃላት፡ ምስ ምዕቡልን ዓሚቚን ትሕ ዝቶ!

ዘይተፈትሑ ግድላት

“እዚ ኣድልዎ እዩ” በለሪን

ኣብ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ንዝተመርጹ ኣመሓደርቲ ከባቢን ኣካየድቲ ስራሕን፡ ብ28ን 29ን መጋቢት ምስ ምምሕዳራዊ ቅርጺን ገደብ ስልጣንን ንምልላይ ኣብ ዝተወደበ መደብ፡ ናይ ስራሕ መምርሒ ተዋሂቡ። ኣብ ከተማ ዓሰብ ኣብ ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓለፍቲ ክፍልታት ምምሕዳር ዞባ፡ ቤትጽሕፈት ህግደፍን ሃገራውያን ማሕበራትን - ንዕማማት ኣሃዱታቶምን ተራ ኣመሓደርቲ ከባቢ ኣብ ምዕዋቱን ብዝምልከት መብርሂ ክህቡ እንከለዉ፣ ባህርያዊ ሃብቲ ንክዕቀብ፣ ኣብ ትካላት ማሕበራዊ ኣገልግሎት ግቡእ ተጠቃምነትን ክንክንን ክረጋገጽ፣ ህዝቢ ብንቕሓት ተሳትፎኡ ኣብ መደባት ልምዓት ንከዕዝዝ ምስራሕ፡ ልዑል ኣተኲሮ ክወሃቦ መዘኻኸሪ ተዋሂቡ። ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ ማንታይ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ዝርአ ጸገም ቀረብ ዝስተ ማይ፡ ሕጽረት ትካላት ጥዕናን ትምህርትን፡ ከምኡ’ውን ናይ መጓዓዝያን

ደ/ቀ/ባሕሪ - ሓደስቲ ኣመሓደርቲ ናይ ስራሕ መምርሒ ተዋሂቡዎም

መራኸቢታትን ሽግራት ንምፍታሕ ዝተታሕዘ መደባት እንተሎ - ካብ ተሳተፍቲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት መሊሱ። ናይ ሎሚ ዓመት ምርጫ ኣመሓደርቲ፡ ኣብ ኣገባቡን መምርሒታቱን ካብ’ቲ

ቅድሚ ሕጂ ዝተኻየደ ምርጫታት ፍልይ ዝበለ ምዃኑ ዝጠቐሰ ኣምባሳደር መሓመድ-ስዒድ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ነፍስወከፍ ምምሕዳር ከባቢ ከክልተ እዋን ጐስጓሳት ከምእተኻየደ፣ ከም ውጽኢቱ

ድማ ኣብ ኩለን ምምሕዳራት ከባቢ ንቑሕ ተሳትፎ ህዝቢ ከምእተንጸባረቐ ገሊጹ። ኣብ መወዳእታ፡ ኣመሓደርቲ ከባብን ኣካየድቲ ስራሕን ብዝተነብረሎም

ሓላፍነትን ዝተዋህቦም ኣማእዛኒ መምርሒ ስራሕን፡ ንዝመረጾም ህዝቢ ብትግሃትን ተወፋይነትን ከገልግሉ ብምዝኽኻር፡ ህዝቢ ብወገኑ ኣድላዪ ደገፍ ክገብረሎም ተላብዩ።

ኣብ ፎርቶ-ሳዋ፡ ባህላውን ስፖርታውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ ተኻዪዱ

ሓበሬታ ብዛዕባ ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን

ተመሃሮ ንምምዕባልን ባይታ ምልውዋጥ ተመኲሮ ንምጥጣሕን ከምዝዀነ ሓቢሩ። ኣበርክቶ ንዝገበሩ ምምሕዳራትን ነበርትን ድማ ሞጒሱ። ኣመሓዳሪ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ ኣቶ ኣቡበከር ማሕሙድ ድማ፡ እቲ ኣጋጣሚ ኣብ ምድንፋዕ መስርሕ ትምህርቲ ብሓፈሻ፡

ሂላል ወርሒ ሮሞዳን፡ ሎሚ ዓርቢ 29 ሻዕባን 1443 ህጅርያ - ማለት 1 ሚያዝያ 2022 ምሸት ክትሰርቕ ትጽቢት ይግበር። ኣብ’ዚ ዝተጠቕሰ ዕለት ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ምስ ዝረጋገጽ፡ ቀዳም 2 ሚያዝያ ፈላሚት ዕለት ወርሒ ሮሞዳን 1443 ትኸውን። ምስራቕ ሂላል ወርሒ ሮሞዳን ዓርቢ ምሸት ምስ ዘይረጋገጽ ግና፡ ምጅማር ወርሒ ሮሞዳን 1443 ህጅርያ፡ ሰንበት 3 ሚያዝያ 2022 ይኸውን።

ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ስፖርታውን ባህላውን ቅነ ኣብያተ-ትምህርቲ፡ ካብ 25 ክሳብ 28 መጋቢት ተኻዪዱ። ኣብ ስነ-ስርዓት ምዝዛም፡ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ትምህርቲ ኣብ’ቲ ንኡስ ዞባ መምህር ዑስማን እድሪስ፡ እቲ ኣካል መስርሕ ምምሃርን ምስትምሃርን ዝዀነ ቅነ፡ ዕላማኡ ዝንባለታት

ባህላውን ስፖርታውን ውድድራት ድማ ብፍላይ ኣገዳሲ ብምዃኑ፡ ኣብ መጻኢ ብዝለዓለ ደረጃ ንኽውደብ፡ ምምሕዳር ንኡስ ዞባ ኣበርክቶኡ ከምዘዕዝዝ ኣረጋጊጹ። ኣብ ንኡስ ዞባ ፎርቶ-ሳዋ፡ ኣብ 13 ምምሕዳራት ከባቢ ዝተዘርግሓ - 21 ኣብያተትምህርቲ ኣለዋ።

ዓንሰባ - ሃማደኤ፡ 23 ዜጋታት ብዝተፈላለየ ዓውደ-ሞያ ኣሰልጢኑ ጨንፈር ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ፡ ንሓደ ዓመት ብዝተፈላለየ ዓውድታት ሞያ ዘሰልጠኖም 23 ዜጋታት፡ ብ24 መጋቢት ተመሪቖም። ተመረቕቲ - 10 ደቂ-ኣንስትዮ ብሞያታት ቅዲ ክዳን፡ ኢደ-ጥበብን ሲንጀርን፣ 4 ደቂ-ተባዕትዮን 9 ደቂ-ኣንስትዮን ድማ ብኮምፕዩተር ግራፊክስን ቪድዮ ኤዲቲንን እዮም ሰልጢኖም።

ኣብ’ቲ ስነ-ስርዓት፡ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ሓላፊት ማሕበረቁጠባዊ ኣገልግሎት ወ/ሮ ትርሓስ ኣርኣያ፡ እቲ ብስማዊ ክፍሊት ዝተዋህበ ሞያዊ ትምህርቲ፡ ኣካል ናይ’ቲ ዓቕሚታት መንእሰያት ብሓፈሻ ናይ ደቂ-ኣንስትዮ ድማ ብፍላይ ንምምዕባል በብግዜኡ ዝውደብ ስልጠናታት ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣብ ምምሕያሽ ሂወት ሰልጠንቲ ደፋኢ ተራ ከምዘለዎ ሓቢራ።

ሓላፊት ሃማደኤ ዞባ ዓንሰባ ወ/ሮ ኣምና ሓሰን ብወገና፡ ሰልጠንቲ ዝቐሰምዎ ትምህርቲ ብግብራዊ ስራሕ ከማዕብልዎ ኣዘኻኺራ። ጸሓፊ ህግደፍ ዞባ ዓንሰባ ኣቶ ሃይለ ተወልደብርሃን፡ ማሕበረቁጠባዊ መነባብሮ ደቂ-ኣንስትዮ ንምምሕያሽ ዝውደቡ ስልጠናታት ሸቶኦም ንክወቕዑ፡ ግቡእ ምክትታል ከምዘድልዮም ኣገንዚቡ።

ርሑስ ጾም! ቤት-ጽሕፈት ኢፍታእን እስላማዊ ጉዳያትን ኤርትራ

ተጋዳላይ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ ተሰዊኡ ኣባል ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን - ገዲም ተጋዳላይ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ በርሀ፡ ብ30 መጋቢት ኣብ መበል 76 ዓመት ዕድመኡ ብሕማም ተሰዊኡ። ኣብ 1975 ናብ መሳርዕ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ ዝተጸንበረ ኢንጅነር ሰመረ፡ ኣብ እዋን ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ ዝተፈላለያ ኣሃዱታት ውድብ፣ ድሕሪ ናጽነት ድማ ክሳብ ብደረጃ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ፋብሪካ፡ ንህዝቡን ሃገሩን ብተወፋይነት ዘገልገለ ሓርበኛ እዩ። ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ፡ በዓል ሓዳርን ኣቦ 3 ደቂን እዩ። ስነ-ስርዓት ቀብሩ፡ ትማሊ 31 መጋቢት ሰዓት 4፡00 ድሕሪ-ቐትሪ ኣብ መካነመቓብር ሓርበኛታት ኣስመራ ተፈጺሙ። ሚኒስትሪ ንግድን ኢንዱስትሪን፡ ብመስዋእቲ ገዲም ኣባሉ ኢንጅነር ሰመረ ሃብተገርግሽ ዝተሰመዖ ሓዘን እናገለጸ፡ ንስድራ-ቤቱ፡ መቓልስቱን መሳርሕቱን ጽንዓት ተመንዩ።


Turn static files into dynamic content formats.

Create a flipbook
Issuu converts static files into: digital portfolios, online yearbooks, online catalogs, digital photo albums and more. Sign up and create your flipbook.